ኣተሓሳስባይ መዓስ’ዩ ንቡር ዝኸውን፧

ቅድሚ ነዚ ሕቶ ምምላስና – ኣየናይ እዩ ንቡር ኣተሓሳስባ ኣየናይ’ዩኸ ዘይንቡር ኣተሕሳስባ ንዛረብ። ንቡር ኣተሓሳስባ ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ይኹን ካልኦት ትኽክልን ጥዑይን ክትሓስብ ከለኻ ማለት እዩ። ዘይንቡር ኣተሕሳስባ ብኣንጻሩ ከኣ ኣእምሮኻ ኣሉታዊ ፥ ጥምዙዝ ፡ ዘይቅኑዕን ዘይጠቅምን  ሓሳባት ከሰላስል ከሎ ማለት እዩ። በዚ ዓይነት ሓሳብ ዝተታሕዘ ኣእምሮ ዘይንቡር ኣእምሮ ይበሃል። እቲ ንቡር ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ግና ኣእምሮኡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዘይንቡር ሓሳባት ናጻ ዝወጸን ዝረግአን እዩ። ኣእምሮ ናይ ሓደ ሰብ ብፍርሂ፣ ሻቅሎት፡  ከምኡ’ውን ረብሻ ዝመልኦ ሓሳብ ክምላእ ከሎ ንቡር ዝኾነ ክሓስብ ዓቅሚ የብሉን። ሽግርካ ምልላይ ናይ መፍትሒ ጸገምካ ቀዳማይ ደረጃ እዩ። ስለዚ ኣእምሮና ትኽክል ክሓስብ እንተኾይኑ ናብ ህዱእን ርጉእን ኩነታት ክመጽእ ኣለዎ።

ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ኣስተኻኺሎም ክሓስቡ እንተዘይኪኢሎም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ክመስሎም ይኽእል ኢዩ። ይኹን ድኣ እምበር ኣእምሮና ኣስተኻኺሉ ክሓስብ ዘይክእለሉ ሓደ ምኽንያት፥ ንነዊሕ እዋናት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ጥራሕ ክንፍጽም ስለእንደሊ እዩ። ከምኡ’ውን ዋሕዲ ናይ ቪታሚን  እንተሎ’ውን እዚ ጸገም ክግለጽ ይኽእል እዩ። ገለ ከም ቪታሚን ‘ቢ’ ዝኣመሰሉ ኣተኻኺልና (ንቡር) ክንሕስብ ይሕግዙና እዮም። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣስተኻኺሉ ናይ ምሕሳብ ጸገም እንተሃልይዎ ኣመጋግብኡ ግቡእ ኣሎን የለን ከረጋግጽ ኣለዎ። ካልእ’ውን ብዝሒ ድኻም ማለት ጉልበቱ ኣዝዩ ዝሃልኽ ሰብ ፡ ከምኡ’ውን እኹል ሰዓታት ንመዓልቲ ዘይድቅስ እንተኾይኑ (እንተወሓደ ካብ 6-8 ሰዓታት) እዚ ንባዕሉ ኣስተኻኺሉ ኣእምሮኡ ንቡር ከይሓስብ ክዓግቶ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ኣእምሮና ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዘይግብኦ ክስከም ከሎን ክጭነቅ ከሎን ንቡር ክሓስብ ኣይክእልን እዩ።

ኩሉ ግዜ ብምስትንካር ጥራይ ሓሳቡ ዝተመልአ ሰብ ንቡር ክሓስብን ኣብ ህልዊ ክመላለስን ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ካብ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገር ኣብ ክንዲ ዝገብርን ዝሓስብን ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ነገራት እንዳ ኣስተንከረን እንዳ ኣድነቀን ብሓሳቡ ግዜኡ የባኽን። ንኣብነት ኣብ ክንዲ ብናይ ካልኦት ሰባት ትምህርትን ዝበጽሕዎ ደረጃ ስራሕን ብሓሳቡ ከስተንክርን ክሓልምን ካብ ዝውዕል ፡ ብተግባር ከይዱ ክመሃር ከሎ ከምቲ ካልኦት ዝበጽሕዎ ደረጃ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብኣተሓሳስባኡ ክልወጥ ከሎ ብዙሕ የድምዕ! ወይ’ውን ወላዲ ኮይኑ ዉሉደይ እንታይ ዓይነት ነጥቢ የምጽእ ይኸውን ኣብ ትምህርቲ ኢሉ ኣብ ኣተሕሳስባኡ ካብ ዘስተንክር ፡ ውሉደይ ጽቡቕ ነጥቢ ናይ ምምጻእ ዓቅሚ ኣለዎ ኢሉ ክሓስብን  ክኣምንን ከሎ ንኣተሕሳስባኡ ናብ ንቡር የምጽኦ። በዚ ኸምዚ’ምበኣር ኣእምሮና ክሃድእን ሰላም ክረክብን ከሎ ሽዑ ንቡር ክሓስብን ከስተንትንን ይጅምር።

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!