ምድንዳንን ጽልዋኡን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና

Tigrinya bulluying

ምድንዳን ማለት ሓደ ሰብ ኮነ ኢሉ ፈሊጡ ኣብ ካልእ ሰብ ኣካልዊ ፡ ኣፋዊ ከምኡ’ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ንምውራድ ብፍላጥ ዝግበሮ  እዩ ። እዚ ድማ ማህረምቲ ፡ ኮነ ኢልክካ ምድፋእ ፡ ምቑንጻብ ፡ ምፍርራሕን ጸርፊን የጠቃልል ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ሰብ ነቲ ዝድንድኖ ዘሎ ሰብ መታን ብካልኦት ክጽላእን ክንዓቅን ብዛዕባኡ ሓቂ ዘይኮነ ሕሜትን ዘረባን ብቃል ኣፉ ኮነ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክዝርግሕ እንከሎ ። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወጺእካ ዝግበር ምድንዳን ኣብ ካልእ ሰብ ምዕማጽን ሱር ሰዲዱ ከም ተላባዒ ሕማም እንዳኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ ፣ ብዙሓት ትካላት ነዚ ንምግታእ ኣብ ስራሕ ተጸሚደን ይርከባ ። ይኹን’ድኣ እምበር ከምዚ መምርሒታት ምውጻእ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን ፡ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ንደቕና ፍጹም ክሕልዎምን ክከላኸለሎምን ኣይክእልን እዩ ። ብኣገዳስነት ኣብ ህይወት ደቕና ክንከታተሎን ስጉምቲ ክንወስደሉን ይግብኣና እዩ ። ውጽኢት ምድንዳን ኣብ ደቕና ዘምጽኦ ሳዕቤን ታእላው የብሉን ። ናይ ገዛእርእሶም ውሕስነትን ነብሰ-ተኣማንነትን ጥራይ ኣይኮነን ዝወስድ ፣ እቲ ዘሕዝን ነገር ገዛእርእሶም ክጎድኡ ፡ ካልኦት ሰባት ክጎድኡ ፡ ክሳብ ህይወቶምን ህይወት ካልኦት ሰባት ኣብ ምውሳድ ክበጽሑ ይኽእሉ ። ስለዚ ከም ወለዲ መጠን ናትናን ናይቶም ኣብ ህይወት ደቕና ጽልዋ ዘለዎም ካልኦት ሰባትን ኣቃልቦ ክንገብረሉን ስጉምቲ ክንወስደሉን ከድልየና እዩ።

ምልክታት ናይ ምድንዳን

ኣብ ህይወት ደቕና ለውጥታት ክንርእይ ከለና ኣዚና ከነቕልበሉ ይግብኣና ። ብፍላይ ኣብ ናትና ሓበሻ ሕብረተ-ሰብ ብዛዕባ ምድንዳንን ሳዕቤኑን ምዝራብ ዳርጋ ልሙድ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከማን ከም ሕንከት እዩ ዝቁጸር ፡ እዚ ድማ ነቲ ምልክታት ከነለልዮን ክንፈልጦን ኣጸጋሚ ይገብሮ ። ስለዚ ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ክንብድሆ ክንኽእል ኣለና ። ነዚ ዝስዕብ ምልክታት ኣብ ግምት ምእታው ክሕግዘና ይኽእል…

  1. ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ጠባዮም ወጻኢ ክገብሩ ከለዉ ። እንድሕር ጭኑቃት ኮይኖም ተራእዮምኻ ፡ መግቢ ምብላዕ እንድሕር ኣቋሪጾም ፡ ድቃስ እንድሕር ኣቢይዎም ፣ ገዛእርሶም ክፍለዩ እንድሕር ጀሚሮም ፣ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም እንድሕር ይሽገሩ ኣለዉ – እዚ ኩሉ ምልክታት ምድንዳን ክኸውን ይኽእል ።
  2. ኣሉታዊ ቃላት ክጥቀሙ ምስ ዝጅምሩ ። ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዝወዓልዎ መዓልቲ እንታይ ቃላት ተጠቂሞም ይገልጾም ተመልከት። ማለት ዝኾነ ኣሉታዊ ስምዒትን ቃላትን ኣብ ልዕሊ የዕሩኽቶም ፡ መምሃራኖምን መማህርቶምን እንድሕር ክጥቀሙ ጀሚሮም ።
  3. ኣብ ገዛ ምሳኻ ወላዲኦም ኮነ ምስ ኣሕዋቶም ብተደጋጋሚ ዘይክሳነዩን ክበኣሱን ምስ ዝጅምሩ

ዋላ’እኳ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣስፊሕና እንተዘይዘርዘርናዮም ከም ወለዲ ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ኣብ ደቕኻ ክትዕዘብ ከለኻ ክትነቕሓሉ ይግባእ! ከም ናይ ዕቤት ደረጃ’ዩ ኢልካ ሸለል ኣይትበሎ እኳ’ድኣ ብዕቱብ ሓዞ ።

ወለዲ ብኸመይ ኣብዚ ጉዳይ ደቖም ክድግፉ ይኽእሉ

ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምልክታት ብእዋኑ ከነለልዮ ። ልክዕ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ውሑስ ባይታ ንምዝርራብ ዝምችእ ሃዋህው ክንፈጥረሎም ኣለና መታን ዘጋጠሞም ኩሉ ከይተቖጠቡ ክነግሩና ። ገለ ካብቲ ክሕግዘና ዝኽእል ነጥብታት ንምጥቃስ…

  1. ምስ ደቕኻ ተዘራረብ

ምስኦም ግዜ ብምሕላፍ ድሌታቶምን ዝንባሌኦም ፍለጥ ። ብዛዕባ ክኾንዎ ዝደልዩ ፡ ዕላምኦም ፡ ሕልምታቶም ፡ ፍርሕታቶም ፡ ጉድለቶም ፡ ብርታዔኦም ኩሉ እንዳፈለጥካዮ ምስኦም ብሓንሳብ ዕበ ። ብዛዕባ ምድንዳን ብዝመጸ ዘረባ ምስኦም ምጅማር ክሕግዘካ ዝኽእል መጽሓፍትታ ፣ ዛንታታት ፡ ዝርእይዎ ናይ ቲቪ መደባት ተወከስ ፡ ዘእምኖም ቃላት ተዛረብ እቲ ምንታይ እንድሕር ማለትካ ኮይኑ ኣሚኖምኻ ናይ ልቦም ክነግሩኻ ኣይክሽገሩ እዮም።

  1. ንውሽጣዊ ስምዒቶም ኣይተነኣእሶ

ብፍላይ ካብ ቤት-ትምህርቶም ተደንዲኖም እንድሕር ገዛ መጺኦም እሞ ዝኾንዎ ነጊሮምኻ፡ ንስምዒቶምን ዘጋጠሞምን ከይየነኣኣስካ ስምዓዮም ! በቲ ዘጋጠመ ንዓኦም ከይተላግበሎም ወይ’ድማ ናቶም ጉድለት ከም ዝኾነ ጌርካ ከይተዛርቦም ኣዚኻ ተጠንቀቕ ። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም በሰላ ክገድፈሎም ስለ ዝኽእል ፡ ምሳኻ ዘለዎም ዝምድና እውን ከበላሽዎን ከም ዘይኣምኑኻ ክገብሮምን ይኽእል ።  ብዘይምቑጣብ ግዜኻ ኣቃልቦ ሂብካ ስምዓዮም ። ብዘይየገድስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ዝበሃል ምድንዳን (ምድሃል) የልቦን ከም ወለዲ ክንኣምኖን ፍቕራዊ ዝኾነ ምላሽን ምርዳእን ክንልግሰሎም ይግባእ። ምላሽና ነዚ ክመስል ይኽእል “ ዝበልካዮ ኣሚነካ ኣለኹ” ፣ “ምሳኻ ኣብ ጎድንኻ ኣለኹ” ፣ “ብኸመይ ስጉምቲ ክንወስድ ትደልየና “ ኢልካ ምላሽ ምሃብ ነዊሕ ከኺደና ይኽእል እዩ ።

  1. ስጉምቲ ውሰድ

እንድሕር ዉሉድካ ምድንዳን (ምድሃል) ኣጋጢምዎ እሞ ነጊርካ ቀልጥፍካ ብኣካል ናብቲ ቤ/ት ብምኻድ ፡ መምሃራን ብምድዋል ስጉምቲ ክትወስድ ኣሎካ ። ከምዚ ጌርካ ግቡእ ስጉምቲ ክትወስድ ከሎኻ ዉሉድካ  ኣብ ገዛእርሶም ዘለዎም ነብሰ-ተኣማንነትን ትብዓትን ይውስኽ ።

  1. ኽሪ ንዉሉድካ

ሽሕ እኳ ተደንዲኖም ክትርዮም ስምዒትካ ዝቕስቕስ እንተኾነ ነቲ ዝደንደኖም ዝዓመጾም ሰብ ብባእሲ ኮነ ብምድንዳን ከይምልሱ ከነዘኻኽሮም ኣሎና ። ምኽንያቱ እዞም ከምዚ ተግባራት ቀልጢፎም ናይ ዘይተደልየ ገነጽን ማህሰይትን ቐልጢፎም ክቕየሩ ስለ ዝኽእሉ ። ብኣንጻሩ ንዓኻ መጺኦም ወይ ንመምሃራኖም ክነግሩ መዓዶም ።

ምድሃል ምድንዳን ዘጋጠሞ ቖልዓ ነብሰ-ተኣማንነቱን ትብዓቱን ቀልጢፉ ክንሕጎግ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ እዋን ሓልዮትን ክንክንን ከነርእዮም ኣሎና ትብዓቶም መታን ክምለስ ። ምስ ኣዕሩኽቶም ኣሕዋቶም ዝፈትዉዎም ሰባት ግዜ ምሕላፍ ፣ ዝፈትዉዎ ዓይነት ስፖርት ኮነ ካልእ ንጥፈታት ክዋስኡ ኣተባብዓዮም ። ክፉት ዝኾነ ናይ ምዝርራብ ሃዋህው ብቀጻሊ ፍጠር ዋላ ብድሕሪ እቲ ኩነታት ምስ ተፈትሐ ።

ብኣጠቃላሊ ምድንዳን/ምድሃል ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ሽግር እዩ ኣብ ሕብረተሰብና ። ሓደ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ጠንቅታት ሳዕቤን ናይ ኣእምሮ ጸገምን ነብሰ-ቕትለትን ኣብ መንጎ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ካናዳ እዩ ( ናይ ቀረባ ግዜ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ) ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ኣዚና ነዚ ነገር ከነድህበሉን ንደቕና ብዘድልዮም ክንድግፎምን ይግብኣና ።

 

ጠቃሚ ንዝኾነ ሓበሬታ https://www.alberta.ca/bullying-prevention-resources.aspx 

 

ብ ሄቨን በርሀ

(ትርጉም ሳሌም.ገ.)

 

 

 

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!