ስነ – ኣእምሮኣዊ ጥዕና 101

MH101

ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ናይ ኣእምሮ ሕማምን ንኹሉ ሰብ ድሕረባይታኡ ብዘይየገድስ  ዝጸልው እዩ ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ኣገዳስነቱን ኣድላይነቱን እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ ። ሓደ ካብቲ  ብዙሕ ምኽንያታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዘምጽኦ ተጽዕኖታት ክኸውን ይኽእል – እዚ ድማ ነቲ ልሙድ ዕለታዊ ናብራን ኣካይዳን ዝነበረ ስለ ዝተንከፎ ከም ሳዕቤኑ ድማ ቁጠባውን ማሕበራውን ጥዕናውን ብድሆታት ስለ ዝፈጠረ እዩ ። እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክትንክፎን ክጸልዎን ግድን እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ስነ- ኣእምሮ ጥዕናን ሕማምን እንታይነቱን ፍልልዩ ኣጸቢቕና ክንፈልጦ ኣገዳሲ ይመስለኒ ። ሓደ ሓደ ግዜ እዘን ቃላት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ዝበዝሐ ግዜ እንዳቀያየርና ንጥቀመለን ኢና – ግናኸ በበይኑ ዝኾነ ትርጉምን ኣጠቃቅማን እየን ዝውክላ ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ማለት’ዩ ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ደሓንን ጥዑይን  ኩነታት ናይ ኣእምሮኡ ኮይኑ ፣  ናቱ ክእለትን  ዓቅምን ደረትን መምዩ ዝፈልጥ ክኸውን እንከሎ ።  ከምኡ’ውን ንመዓልታዊ ናይ ናብራ ጸቕጥን ብድሆታትን ተጻዊሩ ናብራኡ ክመርሕ ዝኽእል ምስ ዝኸውን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣፍራይን ኣበርካትን ኣካል  ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኮይኑ ክነብር ከሎ ማለት እዩ። ብሓፈሻ ከምዚ ዓይነት ሰብ ጥዑይ ዝኾነ ኣእምሮ ሃልይዎ ነዚ ኩሉ ዝተገልጸ ነገራት ብዘይ ጸገም ክገብሮ ክኽእል እንከሎ ።

እዚ እቲ ናይ ሰብ ምሉእ ውሽጣዊ ስምዒታቱ ዘበለ ኩሉ ኣብ ደሓን ኩነታት ክርከብ ከሎ ፡ ኣእምሮኡ ካብ ስምዒታዊ ጸቅጥታት ኩሉ ናጻ ኮይኑ ክሓስብን ከመዛዝንን ከሎ ማለት እዩ ። ኣምሮኡ ጥዕይ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እቲ ሰብ ብሕፈሻኡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ሕጉስ ኮይኑ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ከሎ ማለት እዩ ፣ ጥራይ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘይምህላው ጥራይ ማለት ኣይኮነን ። ኩሉ ሰብ ጥዑይ ዝኾነ ስነ- ኣእምሮ ኣለዎ ከይኑ ግና ምስ ግዜን ኩነታትን ክቀያየርን ክጽሎን ይኽእል ።

ሓደ ነዚ ክንርድኣሉ ዝሕግዘና መንገዲ ኣብ መንጎ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ሕማምን ዘሎ ዝምድና እዩ ። ማለት ክልቲኡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተተሓሓዘ ቀጻሊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ ። እዚ ማለት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገምን ከምዚ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ በበይኑ ዘይራኸብ ነገር ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብዝተፈላለዩ ረቋሒታት ዝጽሎን ዝቕየርን እዩ ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ናይ ቀረባ ስድራኡ ብሞት እንተተፈልዮሞ ፡ ንኣካላቱ ብዝጎድእ ሕማም እንደሕር ተጠቂዑ ወይ’ውን ብቁጠባዊን ማሕበራውን ጸገም እንድሕር ተሸጊሩ – እዚ ኩሉ ንኣእምሮኡ ክጸልዎን ዘይተደልየ ጸቕጢ ክፈጥረሉን ግድን እዩ ። እቲ ፍልልይ ግን እቲ ሓደ ሰብ ነቲ ዝገጠሞ ናይ ህይወት ማሕለኻ ኣብ ሓደ እዋን ተሞኲርዎ ክሰግር ዓቅምን ሓይልን ክረክብ እንከሎ ። ብኣንጻሩ ድማ እቲ ሓደ ሰብ በቲ ዝገጠሞ ናይ ህይወት ማሕለኻ ተዋሒጡ ንቡር ህይወቱ ክመርሓሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ክበጽሕ ከሎ – ኣብዚ ህሞት እቲ ሰብ ናብ ናይ ኣእምሮ ጸገም / ሽግር ከምርሕ ይጅምር ።

 

እዚ ሕሰብ –  ኩሉ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣለዎ ፡ ግናኸ ኩሉ ሰብ ድማ ኣይኮነን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘለዎ !

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ጸገም እንታይ እዩ ፧

ስነ – ኣእምሮኣዊ ሕማም ብሕክምናዊ ዓይኒ ተመርሚሩ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጠንቕታት ብግቡእ ክሓስብ ፡ ክገብር ፡ ምስ ካልኦት ክረዳዳእ ፡ ምስ ከባቢኡ ክሳነ ዘይክእል ምስ ዝኸውን ፣  ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣተሓሳስባኡን ውሽጣዊ-ስምዒቱን ተግባራቱን ኩሉ ክጽሎው ከሎ ። ካብ ብግምትን ሰባት ብዝብልዎን ዘይኮነስ ብናይ ስነ- ኣእምሮ ሓኪም ብግቡእ ተራእዩን ተመርሚሩን እቲ ሰብ ክፈልጥ ከሎ ማለት እዩ ።

ብዓይኒ ናይ ስነ – ኣእምሮ ሓኪም ክርአ ከሎ እቲ ሰብ ኣእምሮኡ ካብ ዘይምጥዓይ ዝተላዕለ ናብ ዘይግቡእ ባህርያትን ልምምዳትን ከምርሖ ከሎ እሞ እዚ ኣካይዳ  ነቲ ሰብ ካብ ንቡር ዕለታዊ ናብራኡ ኣውጺኡ ናብ ዘይተደልየ ኣዕናዊ መንገድን ሽግርን ከእትዎ ከሎ ። ካብ መዓልታዊ ናብራኡ ብሰንኪ ናይ ኣእምሮኡ ዘይምጥዓይ ክጎናደብ ከሎ ወይ ከይገበረ ክተርፍ ከሎ ። ኣብነት ናይ ኣእምሮ ሕማማት ንምጥቃስ ዝኣክል ከም ቅዛነት/ ጭንቀት (depression) ፡ ክቱር ሻቕሎት (anxiety disorders) ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ኣእምሮ ዕብዳን ጽላለ  (schizophrenia) ፡ ናይ ባህሪ ሕማማት (personality disorders) … ወዘተ ዝኣመሰሉ ።

 

መን’ዩ ብናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ዝጽሎው ፧

ኩሉ ሰብ ዕድመ ፡ ጾታ ፡ ትምህርቲ ደረጃ ፡ ማሕበራዊ ደረጃ ፡ ቁጠባዊ ደረጃ ፡ ባህሊ … ወዘተ ብዘይየገድስ ብቐጥታ ኮነ ብዘይ ቐጥታ ክጽሎው ይኽእል ። ንኣብነት ኣብ ካናዳ ልዕሊ 20% (ልዕሊ 6.7 ሚልዮን ) ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም እዮም ።  ካብዚኦም ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኣኽሉ  ኣብ ክሊ ዕድመ 9 – 19 ዝርከቡ ህጻናትን መንእሰያትን እዮም ። (ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ)

ናይ ስነ – ኣእምሮ ሕማም መዓስ’ዩ ዝጅምር?

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዝጅምረሉ እዋን ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ግዜ ናይ ኮተቴ ዕድመ (12-17) ዘሎ ወይእውን ኣብ ናይ ብጽሕና ዕድመ (18-24) ። ተደጋጋሚ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ማለት እዩ ኣብዚ ክሊ – ዕድመታት እዩ ዝጅምር ። እዚ ማለት ግና ኣብ ካልእ ኣብዚ ላዕሊ ዘይተጠቅሰ ክሊ ዕድመ ኣየጋጥምን እዩ ማለት ኣይኮነን ።

ናይ ስነ – ኣእምሮ ሕማም ጠንቂ መበገሲኡ እንታይ እዩ ፧

ዝበዝሐ ግዜ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ሓደ ጠንቒ ጥራይ ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ’ድኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጠንቂ መበገዚ ዘለዎ እዩ ። እዚ ከኣ ብውርሻ ፡ ብተፈጥሮኣዊ ነገራት ማለት ናይ ኣካላዊ ከሚካል ምምዝባል ኣብ ሓንጎል ፡ ባህሪ (personality) ናይ ሰብ ከምኡውን ከባብያዊ ጠንቂ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ክብል ይደሊ ናይ ኣእምሮ ጸገም – ሕማም እምበር መንነት ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮነን !

ይቅጽል …

ሳሌም ገ/ስላሴ

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!