ብመሰረት ምዕባለ ስነፍልጠት እቲ ዝዓበየን ቀንድን ክፋል ናይ ሓንጎል ኣብ ግዜ ቁልዕነት ብፍላይ ድማ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወት ከም ዝምዕብልን፡ ዝህነጽን ከምኡ’ውን ድልዱል መሰረታዊ ቅርጺ ሽዑ ከም ዝሕዝን እዩ። ኣብ ግዜ ቁልዕነት ንምኮሮ ተመኩሮን ንሓልፎ መንገድታትን ዘበለ ኩሉ ኣዝዩ ዓብይ ጽልዋን ተራን ኣብ ምምዕባል ሓንጎል ከም ዘለዎ’ኸ ትፈልጡ’ዶ፧ እዚ ድማ ንናይ ሓጎል መሰረት ቅርጺ ናይ ምቅያር ዓቅሚ ከም ዘለዎ ኮነ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ጥዕና ሓደ ሰብ ንምሉእ ዕድሚኡ ዝጸልው ለውጢ ከም ዘምጽእ ፧ እዚ ማለት ኣብ ቁልዕነቱ ሓደ ህጻን ዝተመኮሮን ዝሓለፎን ዘበለ ኹሉ ክዓቢ ከሎ ኣብ ትምህርቱ፣ ኣካላዊ ዕቤቱ ከምኡ’ውን ናይ ስነ ኣእምሮኡ ምዕባሌ ኣዝዩ ጸላዊ እዩ።
ሽግርን ጸበባን ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ዝተመኮረ ቆልዓ ብፍላይ ድማ መርዛም ጸቕጥታት (toxic stress) ኣብ ኣካላቱ/ሰብነቱ ካብ ምምኳሩ ዝተላዕለ ነቲ መሰረት ቕርጺ ናይቲ ጌና ዝዓብይን ዝህነጽን ዘሎ ሓንጎሉ ምሉእ ብምሉእ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ዝምኮሮም ልምድታት ኣዝዮም ጸለውቲ እዮም ። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ቁልዕነት መሰረቱ ዝሓዘ ሓንጎል ደሓር እቲ ህጻን እንዳዓበየ ክኸይድ ከሎ እቲ ኣዝዩ ዝተራቐቀን ዝተሓላለኸን ክፋላት ሓንጎል ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት እዚ እንዳተሃንጸ ስለ ዝኸይድ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ዝህነጽ ገዛ ኣዝዩ ድልዱል ዝኾነ መሰረት ዘድልዮ እሞ ቀጺሉ ኣብ ርእሲኡ መንደቕ ናሕሲ ክውሰኹ እንከለዉ ጽቡቕ ገይሩ ሒዝዎም ደው ዝብል፡ልክዕ ከምኡ ድማ ሓንጎል ኣዝዩ ድልዱልን ጥንኩርን ዝኾነ መሰረት የድልዮ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝህነጽ ናይ ክፋላት ሓንጎል ጽቡቕ ገይሩ ከስተናግዶ።
ኣብ መንጎ ሓደ ህጻንን ወላድን ዝግበር ኣወንታዊ ዝኾነ ልዝብ(interaction) ቐጥታዊ ዝኾነ ጽልዋ ኣብ ኣሰራርዓን ቅርጽን ናይ ሓንጎል ከምኡ’ውን ውሑስ መሰረት መጻኢ ጥዕና ናይቲ ህጻን ኣዝዩ ዝተመሓየሸ ይገብሮ። በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ኣብ መንጎ ህጻንን ወላድን (ወይ ድማ ዝኣልዮ ኣላዪን) ኣሉታዊ ዝኾነ ዝምድና ምስ ዝህሉው ኣብቲ ዝዓብይ ሓንጎል ኣሉታዊ ጽልዋ የስዕብ ። ንኣብነት ግቡእ ክንክንን ምሕብሓብን ዘይምርካብ ፡ ዓመጽ ፡ ጉድኣት ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብቲ ህጻን ክበጽሕ ከሎ ከም ውጽኢቱ ሓንጎሉ ድልዱል ዝኾነ መሰረት ኣይህልዎን። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ክዓቢ ከሎ ኣብ ትምህርቱ ይሽገር፣ ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት፣ ከምኡ’ውን ዘይተደልየ ወልፍታት ክምኮር ይኽእል። ብተወሳኺ’ውን ንስርዓተ ልቢ ይኹን ስርዓተ ምክልኻል(immune) ኣካላቱ የጥቅዖ። ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ዝምኮሮ ኩሉ ፡ ኣብ ምሉእ ዕድሜኡ ይጸልዎ። ስለዚ ጥዑይ ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዝህነጽ ጥዑያት ዝኾኑ ህጻናት ብምዕባይ እዩ። ብተወሳኺ ጥዑይ ሓንጎል ዘለዎም ቖልዑት ንምዕባይ ሓብሓቢ ዝኾነ ሃዋህው ምፍጣር ናትና ሓላፍነት እዩ።
ሳሌም.ገ.