ብዛዕባ ነብሰ-ቅትለት ምስ ሰብ ክትዛረብ ክትሓስብ ከለኻ ዘይምቹእነት’ዶ ይስምዓካ፧ ወይ ብዛዕባኡ ስለ ዝተዛረብካ ነቲ ነብሰ-ቅትለት ክፍጽም ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ወይ’እውን ከምኡ ሓሳብ ዘይብሉ ሰብ ከም ተተባብዖ ዘሎኻ ወይ ከምኡ ሓሳብ ትዘርኣሉ ዘሎኻ’ዶ ይመስለካ፧ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምዝራብ ወይ ሕቶ ምሕታት ነቲ ኣብ ኣብ ጭንቀት ዘሎ ሰብ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ሓሳብ ምሃብ’ዩ ወይ ምትብባዕ’ዩ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣዘራርባ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ፈጠራታት መሊስና ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ንቕሓት ከይነጥርን ከይንዘራረብን ከምኡ’ውን መፍትሒ ከይነምጽኣሉን ዝዕንቅፍ እዩ ።
ብኣንጻሩ ዝተፈላለየ ብጭብጢ ዝተሰነየ ሳይንሳዊ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምዝራብ ፣ ምንቅቃሕ ምፍጣር ንብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ዘሎ መጣጊነት/ ሕንከት (stigma) ዘበለ ከም ዝቅንሶ እዩ ። ከምኡ’ውን ሕብረተሰብ ኣብ ምንቃሕን ሓገዝ ኣብ ምሕታትን ዕድል ይኸፍት ። ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣየናይ’ዩ ሓቂ ኣየናይ’ዩ ጽውጽዋይ ፈላሊና መታን ክንፈልጥን ነቲ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ’ውን ሓገዝ ክረክብ እንድግፍ መታን ክንከውን ከም መእትዊ ኣብዚ ሓሳብ ከነተኩር ኢና።
ፈጠራ #1 (myth) – ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምሕሳብ ማለት ነብሰ-ቅትለት ምፍጻም ከም ማለት’ዩ ዝብል ኣዘራርባ።
ሓቒ #1 (Fact) – ሓደ ሰብ ብዛዕባ ነፍሰ ቅትለት ስለ ዝሓሰበ ነፍሰ ቅትለት ክፍጽም እዩ ማለት ኣይኮነን ። ሰባት ብዝተፈላልየ በዳሂ ናይ ህይወት ኩነታት ክሓልፉ ከለዉ ገዛእ-ርእሶም ከጥፍኡ ኢሎም ክሓስቡ ከለዉ ፣ እዚ ዘይልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ከምኡ ክሓስቡ ስለ ዝደረኾም እዩ ። ነብሰ ቅትለት ስለ ዝሓሰቡ ነብሰ ቅትለት ፈጺሞም ማለት ግን ኣይኮነን ። እቲ ፍልልይ ኣብዚ’ዩ ዘሎ ሓደ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ብተደጋጋሚ ከየቋረጸ ዝሓስብ ሰብ ነብሰ ቅትለት ኽፍጽም ስጉምቲ ንኽወስድ እቲ ብተደጋጋሚ ከምኡ ምሕሳቡ ከም ሓደ ረቋሒ ኮይኑ ነቲ ሰብ ናብ ሓደገኛ ኩነታት የቃልዖ ። ብዙሓት ሰባት ነብሰ ቅትለት ስለ ዝሓሰቡ ጥራይ ነብሰ ቅትለት ኣይፍጽሙን እዮም ።
ፈጠራ #2 – ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምሕሳብ ምልክት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማም ኣይኮነን ዝብል ግጉይ ርድኢት ።
ሓቒ #2 ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምሕሳብ ሓደ ካብ ምልክታት ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕማማት ከም በዓል ቅዛኔ (depression) ዝኣመሰሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ይኹን ድኣ’በር ኩሉ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ዝሓሰበ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ ማለት ግን ኣይኮነን ። ሽሕ እኳ ሓደ ሰብ ነብሰ ቅትለት ንኽፍጽም ዝተፈላልየ ወልፍታትን ናይ ኣእምሮ ሕማምን ካብቶም ሓደ ከም ቀንዲ ረቋሒታት ክውሰዱ ዝኽእሉ እንተ ኾኑ ፣ ካልእ ክንዝንግዖ ዘይብልና ሓቂ ድማ ሓደ ሰብ ዋላ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘይብሉ ክነሱ ገዛእ-ርእሱ ከጥፍእ ክሓስብ ይኽእል እዩ ። ብፍላይ ድማ ህይወት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይንዎ ኣብ ክቱር ጭንቀት ክሽመም እንከሎ ። ከቢድ ናይ ህይወት ማሕለኻታት ፡ ክሓዊ ዘይክእል ሕማም ክገጥሞ’ከሎ ፡ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ሞት ክገጥሞ’ከሎ ፣ ከቢድ መስበርቲ መጉዳእቲ ክምኮር ከሎ እዚ ኹሉ ኣብ ህይወት ሓደ-ሰብ ዓቕሊ ጽበትን ተስፋ ምቁራጽን ከስዕበሉ ይኽእል ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ክሓስብን ስጉምቲ ክወስድን ክገብሮ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ግና እቲ ሰብ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ።
ፈጠራ #3 – ገዛእርእሱ ከጥፍእ ዝሓሰበ ወይ ዝፈተነ ሰብ ክመውት ስለ ዝደለየ’ዩ ፣ ወይ ሞት ስለ ዝተመነየ’ዩ ዝብል ኣረዳድኣ ።
ሓቒ #3 – ሓደ ነብሰ ቕትለት ዝሓሰበን ዝፈተነን ሰብ ክመውት ስለ ዝደለየን ዝተመነየን ኣይኮነን ። ገዛእርእሶም ከጥፍኡ ዝፈተኑ ወይ ዝሓስቡ ሰባት ዝበዝሐ ግዜ ዝብልዎ ክሞቱ ስለ ዝደለዩ ኣይኮኑን ዝፍትኑ ፣ እንታይ’ድኣ ነቲ ስምዒታዊ ቃንዛኦም ወይ’ድማ ንልዕሊ ዓቅሞም ዝኾነ ናይ ህይወት ወጥሪ ካብኡ ንምውጻእን ንምህዳምን እምበር ። ሓደ ሰብ ኣብ ዝጸልመተ ናይ ህይወት ደልሃመት ምንም ተስፋ ዘይብሉ ኩነት ክኸውን ከሎ ነብሱ ከጥፍእ ኢሉ ክሓስብ ከም ሓደ እንኮ መፍትሒ ኮይኑ ክርኣዮ ይኽእል እዩ ። እዚ ዓይነት ጸቢብ ኣረኣእያ ንኣተሓሳስባኡ ኣጸልሚቱ ካልእ መፍትሒ ከይሓስብ ፡ ከይነቕሕ፣ ሓገዝ ከይሓትት ክገብሮ ይኽእል እዩ ። እቲ ሓቂ እቲ ሰብ ክመውት ስለ ዝደለየ ኣይኮነን ኣብ ገዛእርእሱ ነፍሰ ቅትለት ክፍጽም ዝደለየ እንታይ’ድኣ ነታ ሽዓ ህሞት ስለ ዝጸልመተቶ ካብ ቃንዛኡ ንምግልጋል ነብሰ ቅትለት ምፍጻም ከም መፍትሒ ገይሩ ኣብታ ሽዓ ግዜ ስለ ዝተረእዮ እዩ ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንግዜኡ ነቲ ናይቲ ሰብ ኣእምሮ ካልእ መፍትሕን መንገድታትን ከይርኢ ይኽልክሎ ። ህድእ ኢሉ እንተሓሲቡ ዘረጋግኦ ሰብ እንተረኺቡ ግና ካልእ መፍትሒ ክርእይ ኣይክጽገምን እዩ ።
ፈጠራ #4 – ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምሕታት ንሓደ ሰብ ነብሱ ንኽቀትል ሓሳብ ከም ምሃብ’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ።
ሓቒ #4 – ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምሕታት ኮነ ምዝራብ ንሓደ ሰብ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ሓሳብ ምዝራእ ማለት ኣይኮነን ።
እኳ’ድኣ ከምኡ ኢልካ ምሕታትን ምዝራብን ኣእምሮ’ቲ ሰብ ኣንቒሑ ግቡእ ሓገዝ ንኽረክብ ዕድል ይፈጥረሉ ። ብዛዕባ’ዚ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ – ሰባት ዕድል ረኺቦም ክዛረቡን ቕኑዕ ርድኢትን ሓገዝን ብዛዕባ ነፍሰ ቅትለት ክረኽቡ ከለዉ ብእኡ መጠን ድማ ቑጽሪ ገዛእርእሱ ከጥፍእ ኢሉ ዝሓስብን ዝገብርን ኣዝዩ ይጎድል! ብፍላይ ድማ ካብ ፍርድን ነቀፌታን ነጻ ዝኾነ መድረኽ ክፍጠረሎም እንከሎ ።
እዚ ዘክር ብዙሓት ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምቕታል ብሓሳብ ዝተሓዙ ናይ ምንባር ምኽንያት ፡ ትርጉም ምቕጻል ህይወት ስለ ዝሓርበቶም’ዩ እምበር ገዛእርእሶም ከጥፍኡ ስለ ዝደለዩ ኣይኮኑን !
ፈጠራ #5 – ብዛዕባ ነብሰቕትለት ቀጻሊ ዝዛረብ ሰብ ሱቕ ኢሉ ዓጀውጀው ዝብልን ዝላገጽን እዩ እምበር ናይ ብሓቁ ገዛእርእሱ ዘጥፍእ ኣይኮነን ዝብል ኣዘራርባ ።
ሓቒ #5 – ብዛዕባ ገዛእርእሱ ክቀትል ዝዛረብ ሰብ ንካልኦት’ውን ብኸምኡ ዘፈራርሕ ሰብ ብዕቱብ ክርአ ዘለዎ ሰብ’ዩ ።
ዘረባኡን ሓሳቡን ብቀጻሊ ነብሱ ከጥፍእ ምድላይን ንካልኦት በዚ መንገዲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ውልቀ-ሰብ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኮነን ከምኡ ዝዛረብ ። እዚ ንባዕሉ ሓደ ምልክት ናይ ተስፋ ምቁራጽ ፡ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ጸበባ / ኣስጋኢ ኩነታት ዘሎ ሰብ፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ። ብዛዕባ ገዛእርእሱ ምጥፋእ ብተደጋጋሚ ዝዛረብ ሰብ ብኣዝዩ ክቱር ዝኾነ ስምዒታዊ ቃንዛ ዝሓልፍን ዝምኮርን ዘሎ ሰብ’ዩ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ነብሰ-ቕትለት ምፍታንን ምፍጻምን ይኸይድ ። እንተድኣ ንስኻ ወይ ትፈልጦ ሰብ ብኸምዚ ኩነታት ይሓልፍ ኣሎ ሓገዝ ካብ ምሕታት ኣይትቆጠብ ፣ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ከትድሕን ስለ እትኽእል ። ነቲ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ በዓል ሞያ ዝኾነ ምሕታት ፣ ኣብ ትነብረሉ ከተማ ዘሎ ህጹጽ ሓገዝ ትረኽበሉ ቦታ ካብ ምኻድን ድሕር ኣይትበል ። ንሳቶም ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ንምፍላጥን ምእላይን ክሕጉዝኻ ስለ ዝኽእሉ ። እዚ ድማ ብዓቢኡ ኣብ ህይወትካ ንጹርነት ነቲ ዘይከኣል ዝመሰለካ ኩነታት ድማ ከም ዝከኣልን መፍትሒ ከም ዘለዎን ክትፈልጥ ክሕግዘካ እዩ ።
ኣእምሮ ሰብ ብተፈጥሮኡ ንሽግር መፍትሒ ክረኽበሉ ወይ’ድማ ካብቲ ንግዜኡ ዘይከኣል ዝመስል ከቢድ ቃንዛ ክሃድም ኣእምሮ ሰብ ብተፈጥሮኡ ኩሉ ግዜ ድሉው’ዩ ። ሓደ ሰብ ክወጾ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ክሽመም ከሎ ፣ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ክጸቦ’ከሎ ፡ ብጽምዋ ክሳቐ ‘ከሎ ገዛእርእሱ ንኸጥፍእ ሓሳብ ብቀሊሉ ክመጽኦ ይኽእል ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክፉት ዘተ ምፍጣር ፡ ከይፈረድካ ነቲ ሰብ ምስማዕ ነቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዘሎ ሰብ ምርግጋእ ይፈጥረሉ ፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሓገዝ ክረክብን ተስፋኡ ክሕደስን ይገብሮ ።
ሰሰናዩ!