ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ንውሉድካ ከመይ ዓይነት ምላሽ ትህብ

ከመይ ዓይነት ምላሽ ንደቕኻ ትህቦም ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ

ቆልዑትን መንእሰያትን ብከፊል ካብ ዓበይትን ከባቢኦምን ብዝርእይዎ ግብረመልሲ ንኹነታት፥ እሶም ድማ ከምኡ ዓይነት ምላሽ ይህቡ። ከም ኣብነት በዚ ዘሎ እዋናዊ ክስተት  ኮቪድ-19 ግብረመልስና ዝተረጋግአ ምስ ዝኸውን፣ ንሕና ተዳሊና ንዕኦም’ውን ከነዳልዎምን ከነህዶምን ንኽእል። ከም ውጽኢቱ ድማ እሶም ኣሰር እቲ ንገብሮን ንብሎን ይስዕቡ። ብፍላይ ድማ ሕጂ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝተዓጽወሉ ግዜ ደገ ክወጽኡ ዘይክእልሉ፡ ኣብ ገዛ ጥራይ ተዓጽዮም ዝውዕልሉ ህሞት ንክትሓስቦ ቐሊል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ግዜ ከመይ ጌርና ክንሕግዞም ንኽእል፧ እንታይ ዓይነት ባህርያት’ከ ኣብኦም ክንዕዘብ ንኽእል፧ ሓደ ሓደ ጠቃሚ ሓሳባት ሓቢርና ክንርእይ ኢና።

ኩሎም ቆልዑትን መንእሰያትን ሓደ ዓይነት ግብረመልሲ ንሓደ በዳህን ኣሻቓልን ዝኾነ ኩነታት  ይህቡ ማለት ኣይኮነን ። ግናኸ ሓደሓደ ካብቲ ብልሙድ ዝረአይ ባህርያት ነዚ ዝስዕብ ክመስል ይኽእል ፥

  • ካብ ዓቀኑ ዝሓለፈ ብኽያትን ሓርቆትን ኣብ ነኣሽቱ ቆልዑት
  • ቀደም ዝገደፍዎ ባህሪ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ክምለስዎ ከለዉ (ንኣብነት ኣብ ዓራት ምሻን)
  • ብዝሒ ሻቅሎት ፥ ሓዘን፥ ስንባደ ከርእዩ ከለዉ
  • ጥዕና ዘይብሉ ልምድታት ክገብሩ ከለዉ (ደቂስካ ምውዓል፣ ብቐጻሊ ምብላዕ፡ኣብ ቲቪን ኢለክትሮኒክስን ግዜኦም ከሕልፉ ከለዉ)
  • ሓርቆቶምን ምንጽርጻሮምን ብተግባር ከርእዩ ከለዉ (መንእሰያት ብፍላይ)
  • ናይ ትምህርቲ ዝምባለ ምጉዳል ፣ ቅድሚ ሕጂ ዝፈትውዎ ዝነበሩ ዝምባሌታት ከቋርጹ ከለዉ
  • ኣብ ትምህርቶም ኮነ ኣብቲ ዝንገሮም ነገራት ኣድህቦኦምን ቆላሕትኦምን ኣብኡ  ክጎድል ከሎ
  • መግለጺ ምኽንያት ዘይብሉ ሕማም ርእሲ ወይ ኣካላዊ ቃንዛ ክስምዖም ከሎ
  • ናብ ካልእ ወልፍታት ከድህቡ ከለዉ ብፍላይ መንእሰያት (መስተ ፡ ሽጋራ ፡ ሓሽሽ) ዝኣመሰሉ

ከመይ ጌርና ክንድግፎም/ክንሕግዞም ንኽእል፧

  • ግልጹነት ዝመልኦ ዝርርብ ብዛዕባ ህልው ኩነታት (ሕማም) ብኸመይ ከም ዝሓልፍን ከመይ ጌርና ከም ንከላኸሎን ፡ ደረጃ ዕድሚኦም ብዝጥዕም መንገዲ ምግላጽ።
  • ምሉእ ኣቃልቦ ሂብካ ጽን ብምባል ዘለዎም ሕቶታትን ሻቅሎትን ምስማዕን ምምላስን ከምኡ’ውን ሓቢርካ ምስኦም ምጽላይ።
  • ዝስምዖም ክገልጹ ባይታ ምፍጣር ከምኡ’ውን ደሓን ምዃኖም ምርግጋጽ። ናትካ ተመኩሮ ኣብ ግዜ ሽግር፡ ክትብድሆ ኢልካ ዝተጠቀምካሉ ሜላ ንዕኦም ምክፋል። ካባኻ ክምሃሩ ስለ ዝኽእሉ።
  • ካብ ዜና ክርዩን ክሰምዑን ዘሕልፍዎ ግዜ ደረት ምግባር። ምኽንያቱ ቆልዑት ዝሰምዕዎ ኩሉ ዜና ንምርድኡ ዓቅሚ ስለ ዝውሕዶም ፍርሓት ክፈጥረሎም ይኽእል።
  • ብዝተኻእለ መጠን መዓልታዊ ንጥፈታት ከም ዘለዎ ስሩዕ ምቕጻል። ትምህርቲ ተዓጽዩ ግናኸ ልክዕ ከም ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ዘለው ዓይነት ስሩዕ ናይ መጽናዕቲ ፡ ጸወታ፡ ዕረፍቲ ግዜ ክህልው ከሎ ህድኣት ይፈጥረሎም።
  • ኣርኣያ ምዃን። ግቡእ ድቃስ፣ ዝተመጣጠነ መግቢ ፡ ኣካላዊ ምንቅስቃስ፡ ምስ ካልኦት ቤተሰብ ርክብ ብተሌፎን ካልእን መራኸቢ መንገድታት ዘይምቑራጽ። እዚ ክርእዩ ከለዉ ኣሰር ኣሰርና ይስዕቡ።
  • ሽግር ሓላፊ ምዃኑ ምትንባህ

ሳሌም.ገ.

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!