ቅድሚ ሕጂ ሓደ ህጻን ክዓብይ ከሎ እቲ ተገንዝቦኣዊ ፍልጠቱ፣ ኣካላዊ ዕቤቱ ምስ ካልኦት ሰባትን ከባቢኡን ዘለዎ ርክባት ኣብ በበይኑ እዋናት ይምዕብል ዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ። ሓደ ሓኪም ናይ ህጻን’ውን ነዚአን ክፍልታት ፈላልዩ እዩ ዝምርምረን ነይሩ። ማለት ኩሉ ናይቲ ህጻን ስምዒታት ኣመዓባብላኡ ፡ ማሕበራዊ ዝምድንኡ ከምኡ’ውን ኣካላዊ ዕቤቱ ከመይ ይዓብይ ከም ዘሎ ክርኢ ። እንተኾነ ግና እዚ ዓይነት ኣመራምራ ጉድለት ዘለዎ አዩ ኔሩ ፡ እቲ ምንታይ ሓደ ህጻን ክዓቢ ከሎ ስምዒታቱ ፡ ምስ ሰብን ከባቢኡን ዘለዎ ዝምድና ፡ ኣካላዊ ዕቤቱ ኩሉ ከም ሓደ እናተወሃሃደ እምበር ነንበይኑ ኣይኮነን ዝዓቢ። ኣብ ኩሉ ናይ ህይወቱ ደረጃታት ዕቤት ነንሓድሕዱ እናተተሓሓዘን እናተጸላለወን እዩ ዝዓቢ።
ሓደ ስነ ሓንጎል ዘጽንዕ ፈላጥ ክኢላ ቀደም ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ሓንጎልና ንዘተፈላለየ ክፍሊ ናይ ኣካላትና ንምምዕባል ሓላፍነት ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ። ከምዚ ሓደ ወዲ 5 ዓመት ቆልዓ መጺኡ ኣብ ሓንጎለይ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣለዉ ፡ ንኹሉ ክፍሊ ኣካላተይ ክምዕብል ሓላፍነት ይወስዱ ክብል ከሎ ማለት እዩ። እንተኾነ ግና ከምኡ ኣይኮነን እቲ ሓቂ። እንታይ ‘ድኣ ሓንጎል ብገዛእርእሱ ፍሉይ ዝኾነ ክፍሊ ኣካላትና ኮይኑ ክሳብ 100 ቢልዮን ዝኣኽሉ ህዋሳት ዘለዉዎ – ማዕረ ቁጽሪ ኣብ ጠፈር ዘለዉ ከዋኽብቲ ዝሓዘ ማለት እዩ። ነፍሲወከፍ ህዋስ(neuron) ከባቢ 10,000 ዝኸውን ሲናፕሲስ (ማለት ንኽልተ ዋህዮታት መትኒ ዘራኽቡ) ኣለዉዎ። እዚ ካብ ኩሉ ኣፈጣጥራ ኣዝዩ ፍሉይን እንኮን ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክፍሊ ኣካላት ናይ ሓንጎል ዝኾነ ስናፕሲስ – ሱር ኩሉ ዕቤትን ቅርጽን ናይታ እትዓቢ ሓንጎል እዩ።
ናይ ሓደ ዕሸል ሓንጎል ብግቡእ ክዓቢ እንተድ’ኣ ኮይኑ፡ ኣብዞም ቀጺሎም ዘለዉ ነገራት ዝተሞርከሰ እዩ። ናይ ምሃብን ምቅባልን ዝምድና ኣብ መንጎ እቲ ዕሸልን ወላድን (ወይ’ውን ካልእ ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ህጻን ዘዕቢ ሰብ) ዝተመርኮሰ እዩ ። ንኣብነት ኣደ ነቲ ዕሸል እንዳረኣየት ፍሽኽ ክትብሎን ክትዛረቦን ከላ ብኡንብኡ ድማ እቲ ዕሸል ፍሽኽ ብምባልን ድምጺ ብምግባርን ክምልስ ከሎ ማለት እዩ። እዚ ናይ ምሃብን ምቕባልን ስራሕ ኣብ መንጎ ዕሸልን ወላድን ካብቲ ኣዝዩ ቀንዲ ዝኾነ ረቛሒ ንሓንጎል ናይቲ ዕሸል ንኽምዕብልን ክዓብን ዝገብሮ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝምድና ነቲ ናይቲ ዕሸል ሓንጎል ኣዝዩ ጥንኩር ዝኾነ ናይ ቋንቋ ምዝራብን ናይ ተገንዝቦኣዊ ክእለትን ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ክእለትን ከማዕብል ይሕግዞ ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎ ዝምድና ኣዝዩ ትብዓት ዝመልኦን ኣብ ትምህርቱ’ውን ንቑሕ እንዳኾነን ይዓብይ። ሓደ ቖልዓ ብናይ ወለዱ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ኣዝዩ ክጽሎን ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ድማ ብናይ ስነ ኣእምሮ ሕማም ክጥቃዕን ዓብይ ተኽእሎ ኣለዎ። ካልኦት ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዝከናኸንዎ ሰባት ኣብ ገዛ ኮነ ኣብ ትምህርቲ ማዕረ እቲ ቆልዓ ምስ ወለዱ ዘለዎ ዝምድናን ምትእስሳርን ፍጹም ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም።
ሓንጎል ናይ ሓደ ሰብ ምስ ተወልደ ሽዑ ንሽዑ ተሰሪሑ ዝውዳእ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ምስ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ክኸውን ከሎ ፡ እቲ ናይ ሓንጎል ቅርጽን መሰረትን ግና ኣብቲ ናይ ህጻን መባእታዊ ዓመታቱ ዝህነጽ እዩ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ቀዳሞት ዓመታት ካብ 700 ክሳብ 1000 ዝኾኑ ሓደሽቲ ስናፕሰስ አኣብ ካልኢት ይፍጠሩ። ድሕሪ ቅሩብ ናይ ምርባሕ መስርሕ ድማ ብናይ ምጽንጻል መስርሕ እዞም ስይናፕስ እናተጸንጸሉን እናወሓዱን ይኸዱ። እዚ መስርሕ ነቶም ዝተረፉ ስይናፕሰስ (ክልተ መትንታት ዘራኽቡ መስመር) ሓያላትን ኣድማዕትን ክኾኑ ይሕግዞም። ብኣግኡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይቲ ህጻን ዝመኮሮ ተመኩሮ ናይዞም ስይናፕስስ ዓይነትን ተፈጥሮን ኣዝዩ ይጸልዎ። ካብዚ ምኽንያት ዝተላዕለ ድማ እቶም ብተደጋጋሚ ዝጥቀመሎምን ዝምኮሮምን ስይናፕስስ እንዳወሰኹን እንዳሓየሉን ክመጹ ከለዉ እቶም ካልኦት ድማ ብቐጥታ ይኸስሮም። ልክዕ ከምቲ ሓደ ገዛ ክስራሕ ከሎ በቲ ዝተመደበሉ ቕርጽን መስርሕን ደረጅኡ እንዳሓለወ ዝህነጽ ፡ ብመጠን እቲ መሰረት ዝደልደለሉ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝውሰኽ ክሕዞ ዓቅሚ ዘለዎ ፡ ልክዕ ከምኡ ናይ ሓደ ህጻን ሓንጎል ብኣግኡ እቲ መሰረታት በቲ ዝተመደበሉ ግዜ እንተ ዘይተለጋጊቡን እንተ ዘይተሃኒጹን ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ መስርሕ ክጾሮ ዓቕሚ የብሉን ። ሕጽረት ናይ ግቡእ ተመኩሮን (early life appropriate experiences) ክንክንን እንተዘይረኺቡ እዚ ኣብቲ ዝዓቢ ዘሎ ናይቲ ህጻን ሓንጎል መሰረታዊ ቅርጹ ክልውጦ ፡ ካብ ግቡእ ናብ ዘይግቡእ ቅርጺ ከትሕዞ ይኽእል ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣዝዩ ዝማዕበለ ስምዒትን ፣ ማሕበራዊ ዝምድናን ልቦንኣዊ/ተገንዝቦኣዊ (cognitive skill) ክእለት እቲ ሕጻን ከማዕብል ኣዝዩ ገድሊ ዝኸውን – እቲ ምንታይ መሰረት ቕርጺ ሓንጎሉ ኣዝዩ ድኹም ዘይደልደለ ስለ ዝኾነ ።
በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ካብታ ዝተወልደላ ግዜ ጀሚሩ ኣዝዩ ኣወንታዊ ዝኾነ ተመኩሮ እንድሕር ተሞኪሩ ማለት ኣመጋግብኡ ፡ ኣወንታዊ ጽልዋ ካብቶም ብቀጥታ ዝከናኸንዎ ሰባት እንድሕር ረኺቡ ፡ ናቱ ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ዝምድናኡን ተገንዝቦኣዊ ዓቅሙን ኣዝዩ ዝሓየለን ኣድማዕን ይኸውን ። ብኣንጻሩ ድማ እንድሕር ዘይተመጣጠነ መግቢ፡ ኣካላውን ስምዒታውን መጉዳእቲ ካብቶም ዝኸናኸንዎ ሰባት ፡ ከምኡ’ውን ንዓመጽ እንድሕር ተቃሊዑ ንሓንጎሉ ኣዝዩ ስለ ዝጸልዎ እንዳዓበየ ክኸይድ ከሎ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጎደና የምርሕ ከምኡ’ውን ነገራትን ኩነታትን ናይ ምጽዋር ዓቅሙ ይጠፍእ – እዚ ድማ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ሕማማትን መሰናኽላትን ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ የስዕበሉ። ስለዚ ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊና ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና – ኩሉ ክፍሊ ሓንጎሉ ነንሓድሕዱ ዝጸላሎን ዝተሓሓዝን ስለ ዝኾነ ።
ይቕጽል…
ሳሌም.ገ.