ትምህርቲ ተጀሚሩ’ዶ ሰሚዐ – እሞ እንታይ ንግበር ፧

Copy of Peach and Blue Illustration English Class Education Presentation

ዝበዝሐ ወላዲ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ደቑ ትምህርቲ ክጅምሩ ከለዉ ዝሕጎሰሉ ግዜ እዩ ። እዚ ማለት ንገሊኡ ወላዲ ካልእ ዋኒኑ ክገብር ግዜ ክረክብ ስለ ዝኾነ ወይ’ውን ምስ ገዛእርእሱ ግዜ ከሕልፍ ዕድል ዝረኽበሉ ህሞት ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን እዚ ግዜ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ገሊኡ ወላዲ ውልዱ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዶም’ዶ ወይስ ኣይፋል ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ክሳብ ዘይክእል ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ፍርሕን ተሸሚሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ። እቲ ኣብ ገዛ ኮይኖም ደቑ ክመሃሩ ዝወሰነ ድማ ዝያዳ ሓላፍነት ስለ ዝወሰደ ብርቱዕ ጸቕጢ ዝስምዖ ኣይሰኣንን ። ልሙድ ተርእዮ እዩ ። ንደቕኻ ትምህርቲ ክኸዱ ዝወሰንካ ወይ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክመሃሩ ዝወሰንካ – ሓደ ካብቲ ሓደ ውሳኔ ኣይተጋገየን ክልቲኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንደቁ ዝሓሸ ዝበሎ እዩ ዝወሰነ ።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ሓደ ሓደ ምስ ምጅማር ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ክጥቅመና ዝኽእል ነጥብታት ክንርኢ ኢና ።

  • ትምህርቲ ብኣካል ዝኸዱ እንተኾይኖም – ንኣፍንጫኦምን ኣፎምን ብግቡእ ዝሽፍን ዓቀኖም ዝኾነ መሸፈኒ ገጽ ምግባር ፡ ከምኡ’ውን ኣእዳዎም መጽረዪ ዝኾኖም ሳኒታይዘር ኣብ ጅባኦም ምምላእ ፣ ርሕቐቶም ክሕልዉ ምዝኽኻር – እዚ ኹሉ ምስ ብዕድመ ንኣሽቱ ዝኾኑ ከተግብርዎ ከሸግሮም ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ግና ንውሕስነት ኩሉ ሰብ ብመንግስቲ ዝተዋህበ መምርሒ ብግቡእ ምክትታል ይምረጽ ብፍላይ ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ነዚ ዝመስል ዝወጸ ምልክታ እንተ ኣሎ ።
  • ስሩዕ ዝኾነ መዓልታዊ ዝገብርዎ ናይ ሰሌዳ ግዜ ምህላው ። ናይ ድቃሶም ምትንሳኦም ግዜ ፣ መግቢ ዝበልዕሉ ግዜ ፣ ዘጽንዕሉ ፣ ዝዛነይሉ ግዜ … ወዘተ ምህላው መዓልቶም ስሩዕ ክኸውንን ኣተኩሮኦም ክዛይድን ይሕግዞም ።
  • ኣብቲ ነውጽኣሎም ስሩዕ መዓልታዊ መደብ ክሳተፉ ከለዉ ነቲ ዝወጸ መደብ ከተግብርዎ ይተባብዑ ።
  • ብመንገዲ ኦንላይን ትምህርቶም ዝከታተሉ እንተኾይኖም ድማ መታን ብቐሊሉ ኣብ ገዛ ብምዃኖም ጥራይ ኣቃልቦም ከይስረቕ ፣ ናቶም ዝኾነ ስፍራ ጠረቤዛን ሴድያን ዘድልዮም ናውቲ ትምህርትን ዘለዎ ክንፈልየሎም ይምረጽ ።

ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ …

  • ምስ ኣሕዋቶም ኮነ የዕሩኽቶም ክዘራረቡ ከለዉ ኣቃልቦ ጌርካ ምስማዕ ።  ካብቲ ዝብልዎ ብዛዕባ መዓልቶም ኮነ ዘጋጠሞም ነገር ብእኡ ጌርካ ክትፈልጥ ስለ እትኽእል።
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ኣርእስታት መጀመርታ ኣዕልሎም ፡ ዝወዓልካዮ ኮነ ዘጋጠመካ ፡ እዚ ክትገብር ምስ ዝርእዩኻ ንሶም’ውን ከምኡ ናጻ ኮይኖም ክዛረቡኻ ትብዓት ይረኽቡ ።
  • ኣብታ መዓልቲ ዝተማህርዎ ሓድሽ ነገር እንተኣሎ ብእኡ ክምህሩኻ ከደንቑኻ ዕድል ፍጠረሎም – ከምዚ ምግባርካ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ናጻ ኮይኖም ዝኾንዎ ክነግሩኻ ባይታ ተንጽፈሎም ኣሎኻ ።
  • ቕሩብ ዓበይቲ ምስ ዝኾኑ ኣብ ክንዲ ቀልጢፍካ ንሽግሮም መፍትሒ ምሃብ ባዕሎም ክሓስቡ ዕድል ግደፈሎም
  • ብሓይሊ ደፊእካ ገዲድካ ብዛዕባ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጠሞም ክነግሩኻ ምግዳድ መሊሶም ንቀጻሊ ከይዛረቡኻ ክገብሮም ይኽእል ። ምኽንያቱ ባህርያቶም ስለ ዝፈላለ ገሊኦም ሽዑ ንሽዑ ድልዋት ኮይኖም ክነግሩኻ ኣይሽገሩን ፣ ገለ ድማ ክሃድኡ ግዜ ይደልዩ’ሞ ኣብቲ ክዛረብሉ ዝተዳለውሉ ህሞት ገዛእርስኻ ሽዑ ተረኸበሎም ።
  • ኣብ ገዛ ሓላፍነት ወሲዶም ኣብ ናይ ገዛ ዋኒን ስራሕ ከም ዝሕግዙ ግበሮም ። እዚ ብምግባርካ ገዛእርእሶም ክኽእሉን ሓላፍነት ኣብ ገዛ ኮነ ኣብ ደገን ክወስዱ ይመሃሩ ።

ምስ እዚ ለበዳ ዝተተሓሓዘ ህይወት ከም ዝነበሮ ከይቕጽል ዝጸልዉ ብዙሕ ነገራትን ኩነታትን ገጢሙካ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደቕኻ ትምህርቲ ምስ ምጅማሮም ዝተተሓሓዘ ርእሱ ዝኸኣለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ ፡ ሻቕሎት ፡ ፍርሒ ክትምኮር ትኽእል ትኸውን ።  እዚ ምስ ዘጋጥመካ ነዚ ክትሓስብን ክትገብርን  የተባብዓካ ፥

  • ገዛእርእስኻ ኣህድኣያ ፣ እቲ ሽዑ ዝምዓካ ዘሎ ስምዒት ኣድህበሉ ፡ ምኽንያቱ መጀመርታ እቲ ዝስምዓካ ስምዒት መበገሲኡ ከይፈለጥካ ክትኣልዮ ስለ ዘይትኽእል ።
  • ገዛእርእስኻ ከይኣለኻ ህይወት እቶም ኣብ ትሕቴኻ ዘለው ውሉድ ክትኣሊ ክትሽገር ኢኻ ። ስለዚ ገዛእርእስኻ ኣብ ምህዳእ ክጠቅሙኻ ዝኽእሉ ኣወንታዊ ዝኾኑ ልምድታት ኣማዕብል ።
  • እዞም ኣወንታዊ ልምድታት ከም ኣካላዊ ንጥፈታት ምግባር ፡ ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብ ፡ ማይ ምስታይ ፡ ኣብ ደገ ወጺኻ ተፈጥሮ ምስትምቃር ፡ ምስ ፈተውትኻ ግዜ ምሕላፍ ፡ ምንባብ ፡ ዝሕድሰካ ሙዚቃ ምስማዕ ፡ ምጽላይ ፡ ኣብ ፈጣሪኻ ምውካል ፣ ምስትንታን … ወዘተ ዝኣመሰሉ ክኾኑ ይኽእሉ ።
  • ሓገዝ ክትሓትት ካብ መዛኑኻ ኮነ ቤተሰብካ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ በዓል ሞያ ክትከይድ ድሕር ኣይትበል ። ሓገዝ ምሕታት ምልክት ብርታዔ እምበር ምልክት ድኻም ኣይኮነን !
  • ኣጆኻ ትኽእሎ ኢኻ !

ሰሰናዩ !

ሳሌም.ገ

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!