ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓቅነትን ፈጠራታትን ነብሰ ቅትለት ርኢና ነይርና ፣ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቅ (ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ኣየናይ’ዩ ሓቒ ኣየናይ’ዩ ፈጠራ ፧ ) ። ዓለምለኻዊ ደረጃ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-29 ዝኾኑ ሰባት ክኸውን’ከሎ ፣ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ልዕሊ 800,000 ዝኾኑ ሰባት ዓመታዊ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ ይግመት ብመሰረት ጸብጻብ (WHO) ። ኣብ ካናዳ ድማ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-24 ክኸውን’ከሎ ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 10-14 ዝኾኑ ህጻናት ነብሰ ቅትለት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ኣሎ ብመሰረት መጽናዕቲ (Children First Canada 2020)። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1 ካብ 5 መንእሰያት ገዛእርእሶም ክቐትሉ ከም ዝሓሰቡ ። እዚ ማለት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ኣብ ዓመት ማለት እዩ ! ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ! ልዕሊ 60% ዝኾኑ ሰባት ገዛእ-ርእሶም ንኸጥፍኡ ብተደጋጋሚ ዝሓስቡ ፣ ካብ ሓሳብ ናብ ግብሪ ከውዕልዎ ድማ ሓደ ዓመት ጥራይ ይወስደሎም ! ነብሰ ቅትለትን ነብሰ ቅትለት ምፍጻምን ነቲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ዝጸሉስ ፣ እንታይ’ድኣ ንቤተሰቡ ፣ ኣዝማዱ ፡ የዕሩኽቱ ከምኡ’ውን ንማሕበረ-ሰብ ኹሉ ብሓፈሻ ይጸሉ ።
ነብሰ ቅትለት እንታይ ማለት እዩ ፧ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ነብሰ ቅትለት ማለት ሓደ ሰብ ብፍላጥን ብፍቃድን ገዛእርእሱ ክቐትል ክውስን እንከሎ ማለት እዩ ። ነብሰ ቅትለት ባህርይ/ ምልክታት ዘርኢ ሰብ በዞም ዝስዕቡ ዝተፈላለዩ ረቋሒታት ክጽሎው ይኽእል ፣ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ኣብ ሓንጎሉ ናይ ከሚካል ምምዝባል ከጋጥም’ከሎ ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ፣ ቑጠባውን ማሕበራውን ተጽዕኖ ፡ ሃንደበታዊ ዝኾነ ናይ ህይወት ብድሆታት ንሓደ ሰብ ብሃውሪ ነብሱ ከጥፍእ ክደፍኦ ይኽእል ። ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላልየ ዘቤታዊ ዓመጽ ፣ ጾታዊ ዓመጽ ፡ ዝተፈላለዩ ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም ፡ ፣ ተነጽሎ ፥ ኣፈላላይ … ወዘተ ኣብ መንጎ’ቶም ካልኦት ረቛሒታት ይጥርነፉ ።
ረቛሒታትን ምልክታትን ነብሰ ቅትለት እንታይ’ዮም ፧
ሰባት ንነብሰ ቅትለት ዘቃልዖም ምኽንያታት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል ፣ ክቱር ቕዛኔን ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማምን ፡ ዝተፈላለየ ዕጸ-ፋርስ ምስ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣተሓሒዙ ዝጥቀም ፡ ቅድሚ ሕጂ ነብሰ-ቕትለት ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ (ኣካላውን ጾታዊን ዓመጽ) ፡ ካብ ቤተ-ሰቦም ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመ እንተ’ሎ ፡ ተደጋጋሚ ቤተሰባዊ ቕልውላውን ሽግርን ክገጥሞም’ከሎ ፡ ኣዝዩ ከቢድ ክፍወስ ዘይክእል ሕማም ክሓምሙ እንከለዉ ፡ ብኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መንገዲ ገዛእርእሶም ከጥፍኡ መደብ ዘውጽኡ ሰባት ከምኡ’ውን ናይ መዛኑኦም ጽልዋ ገለ ካብቶም ቀንዲ ዘቃልዑ ረቛሒታት (risk factors) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ነፍሶም ብተደጋጋሚ ከጥፍኡ ዝሓስቡ ሰባት ዝበዝሐ ግዜ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ዘርይዎ ነዚ ይመስል – ንበይኖም ዝስምዖም (ብሕታውነት) ፥ ዓቅሚ ኣልቦ (helplessness) ዝስምዖም ፡ ንገዛእርእሶም ብቕዕቲ ክብርቲ ጌሮም ክቆጽርዋ ዝሽገሩ ፡ ነብሰ ምትሓት ዝስምዖም ፡ ብፍላይ ድማ ተደጋጋሚ ተስፋ ምቁራጽ ክስምዖም እንከሎ ገዛእርሶም ናይ ምጥፋእ ዓቅሚ ኣዝዩ ዓቢ ይኸውን ።
ደቂ ተባዕትዮ 3-4ግዜ ንላዕሊ ነፍሰ ቅትለት ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ንላዕሊ ይፍጽሙ ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሞት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 15-24 ነብሰ ቅትለት ከም ዝኾነ ። ደቀ-ኣንስትዮ ካብ ደቀ-ተባዕትዮ ንላዕሊ ነብሰን ከጥፍኣ ብተደጋጋሚ ከም ዝፍትና ግናኸ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ዝፈተንዎ ግዜ ብዝያዳ ከም ዝዕወቱ መጽናዕቲ ብተደጋጋሚ ዝሕብሮ እዩ ።
ገለ ካብቲ ዘርእይዎ ባህርያት ድማ ናይ መግቢ ሸውሃቶም ኣዝዩ ክጎድል እንከሎ ክሳብ ክበልዑ ዘይክእሉ ክኾኑ እንከለዉ ። ፍጹም ድቃስ ምስኣን ፡ ደጋዊ መልክዖምን ኣቀራርባኦምን ክልወጥ እንከሎ ማለት ነፍሶም ካብ ምእላይ ክቋርጹ’ከለዉ ፡ መስተን ካልእ ጎዳኢ ዝኾነ ዕጸ-ፋርስን ብብዝሒ ክወስዱ እንከለዉ ፡ ካብ ቤተሰቦም ኣዕሩኽቶም ክርሕቁ ክጅምሩ እንከለዉ ፡ ዘለዎም ክቡር ዋጋ ዘውጽአ ናውቲ ኹሉ ንሰብ ክህቡ ክጅምሩ እንከለዉ ፣ መጻኢ ህይወቶም ክርእዩ ክሳብ ዘይክእሉ ክኾኑ እንከለዉ እዚ ኩሉ ሓደ ነፍሱ ከጥፍእ ዝወሰነ ሰብ ዘርእዮ ምልክታት እዩ ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኣዘራርባኦምን ዝጥቀምሉ ቃላትን ኣቃልቦ ምሃብ ። ንኣብነት ከምዚ ዓይነት ቃላት ብተደጋጋሚ እቲ ሰብ ክብል ምስ ዝጅምር “ ብህይወት ምቅጻል ትርጉም የብሉን” ፣ “ ካብ ኩሉ ምስንባት ይሓይሽ” ፣ “ ንስድራይን ፈተውተይን ብዘይብኣይ ምዃን ይሕሾም” ፡ “ኣነ እንተኸድኩ ይሓይሽ” ፣ “ ኩሉ ንብረተይ ካልእ ሰብ እንተ ተጠቀመሉ ይሓይሽ” ብምባል ዘለዎ ኩሉ ብሃንደበት ንካልኦት ሰባት ክህቡ ክጅምሩ እንከለዉ … ወዘተ ዝብል ናይ ተስፋ ምቋራጽ ቃላትን ኣዘራርባን ክጥቀም እንከሎ እዚ ሰብ ገዛእርእሱ ከጥፍእ ዝደናደን ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ብተወሳኺ – ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ነብሰ ቅትለት ዝኾነ ኣዝዩ ዝተናውሐን ተደጋጋምን ናይ ኲነታት ስምዒት ምቕይያር (mood disorder) ክህልው እንከሎ ። እዚ ነቲ ናይቲ ሰብ ህይወትን ባህርይን ክጸልዎ ይጅምር ። ስምዒት ምቕይያር ኣብ ህይወት ሰብ ንቡር እዩ ፡ ማለት ኩሉ ሰብ ዝተፈላልየ ዓይነት ስምዒታት ይምኮር’ዩ ። ሓጎስ ፡ ደስታ ፡ ሓዘን ፡ ጓሂ ፡ ሕርቃን ፡ ፍርሒ … ወዘተ ። እንተኾነ ኣዝዩ ካብ ዓቀኑ ንላዕሊ ዝተናውሐን ተደጋጋምን ሃንደበታውን ዝኾነ ናይ ስምዒት ምቕይያር ኣብ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ሓደገኛ ‘ዩ ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ነብሰ ቅትለት ንምፍጻም ኣዝዩ ዝተቓልዐ እዩ ።
ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል ፧
- ከይፈረድካ ፣ ስምዒት ናይቲ ሰብ ከየነኣኣስካ ኣቃልቦ ሂብካ ስምዓዮ
- ስምዒቱ ኩነታቱ ክገልጽ ኣተባብዓዮም
- ገዛእ-ርእሱ ከጥፍእ ሓሳብን መደብን እንተ ኣለዎ ሕተቶ
- ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረክብ ኣተባብዓዮ
- ናብ ቀረባኻ ዝኾነ ማእከል ጥዕና ውሰዶ ወይ ድማ 911 ደውል ካብቲ ከይተፈለኻ (ብፍላይ እቲ ሰብ ነብሱ ክቀትል ይደናደን እንተሎ)
ነብሰ ቅትለት ሓሳብን መደብ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ብምርካብ ክፍወስን ህይወቱ ክቅጽልን ኣዝዩ ዝከኣል እዩ ። ተስፋ ዘይምቁራጽ እምበር ሓገዝ’ሲ ኩሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ ዝቅጽል ኣስፊሕና ጽልዋ ነብሰ-ቅትለትን ጠንቁን ኣብ ስደተኛታትን መንእሰያት ክንርኢ ኢና ።
ሰሰናዩ!