ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ

jumpstory-download20200225-000252

ከምቲ እንሓስቦ ከምኡ ኢና ንኸውን። ኣብ ኣእምሮና እንሓስቦ ሓሳባት ኣብ ህይወትና ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ማለት ወይ ንቕድሚት ይደፍኣና ወይ ንድሕሪት ክንጥምት ይገብረና ወይ’ውን ኣብ ዘለናዮ ደው ኢልና ክንተርፍ ይገብረና። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ህይወትና ኮነ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ወይ’ውን ብዛዕባ ነገራትን ኩነታትን ሕማቅ ዝኾነ ኣጠማምታን ኣረኣእያን ክህልወና ዝገብር እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስብኡ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ማለት ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ እንተለዎ ኣወንታዊ ዝኾነ ህይወት ክመርሕ ይርአ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እንተለዎ ድማ ብኡኡ መጠን ድማ ህይወቱ ብኸምኡ ይመርሕ።

ስታቲስቲክስ ከም ዝሕብረና መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 50,000 ክሳብ 70,00 ዝኣክል ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ የአንግድ ። ካብዚ እቲ 70 ሚእታዊት ብባህርይኡ ኣሉታዊ ሓሳብ ዝሓዘለ እዩ ።  ሓደ ሰብ ነቲ ዝሓስቦ ክቆጻጸሮ እንድሕር ክኢሉ ብእኡ መጠን ድማ ተግባራቱ ክቆጻጸር ዓቅሚ ኣለዎ ማለት እዩ።  ምኽንያቱ ተግባራቱ ናይ ኣተሓሳስባኡ ቀጥታዊ ውጽኢት ሰለ ዝኾነ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክልውጦን ከይልውጦን ናቱ ምርጫ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣሉታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ካባኻ ከተርሕቅን ክትልወጥን ወስን።

ንሓደ ሰብ ኣሉታዊ ሓሳባት ክሓስብ ዝገብሮ ነገራት ከም ሕሉፍ ህይወት፣ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተሞክሮ፣ ሰባት ኣብ ልዕሌኡ ዝተዛረብዎ ወይ ብተግባራቶም ዝጎድኡዎ ከምኡ’ውን ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ከምዚ ዓይነት ህይወት ንክህልዎ ክጸልዉዎ ይኽእሉ እዮም። ነገር ግን እዚ ኹሉ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባኡ ክልውጦ ምድላይን ምኽኣልን ሚእቲ ብሚእቲ ኣብቲ ሰብ እዩ ዝምርኮስ ። ሰባት ወይ’ውን ኩነታት ባዕሉ ንኣተሓሳስብኡ ክልውጦ ዓቅሚ የብሉን። እቲ እንኮ ክልውጦ ዝኽእል ሰብ ባዕሉ ንኽልወጥ ኢሉ ብዝውስኖ ውሳኔ ጥራይ እዩ

ከምዚ ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ ፡ “እንተድኣ ክኸውን ኮይኑ፡ ብኣይ እዩ ዝኸውን”። ብዛዕባ ገዛእርስና ዘለና ኣረኣእያ ክልወጥ እንተድኣ ኮይኑ መጀመርታ ነቲ ኣብ ህይወትና ህልዊ ዝኾነ ሓቒ ከም ዘለዎ ክንቅበሎ ኣለና። ምኽንያቱ ሓቂ ሓራ ስለ ተውጽእ። እንድሕር ደኣ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ሃልዩካ ፡ ኣወንታዊ ዝኾነ ህይወት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። ህይወትካ ትኽ ክብልን ክቀንዕን ኣይክእልን እዩ ክሳብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባኻ ዘይተቀየረ ። ንኣተሓሳስባና ክንስዕሮ ንፈትን ቅድሚ ንህይወት ክንስዕርን ክንብድህን ምፍታና።

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!