ኣብ ልቡ ተጸባጻቢ እዩ’ሞ …

as a man thinks in his heart... (1)

ኣብ ኣእምሮና እንሓስቦ ሓሳባት ኩሉ ተግባራዊ መታን ክኸውን ጸራጊ መንገዲ እዩ ዝኸውን ። ተግባራትና ኩሎም ቀጥታዊ ውጺት ናይ ኣተሓሳስባና ኢዮም እቲ ምንታይ ኩሉ ነገር ኣብ ሓሳብና ስለ ዝጅመር። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣሉታዊ ህይወት የፈልፍል ከምኡድማ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኣወንታዊ ህይወት የፈልፍል። መጽሓፍ ምሳሌ 237 ከምዚ ይብልብላዕ፡ ስተ ይብለካ  ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ  ልቡ ምሳኻ ኣይኮነን።ስለዚ እዚ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓሳቡ  ብልቡ ተጸባጻቢ እዩ ተጸባጻቢ ማለት ኣታውን ወጻእን/ሕሉፍን/ ትሩፍን ሚዛኑን ፈላጢ ብኻልእ ኣዘራርባ ልዕሊ ዝጸባጸቦ ወይ ዝሓስቦ ክኸውን ኣይክእልንዩ። ሰብ ነቲ ዝሓስቦ ከምቲ ዝሓስቦ ንዕኡ ስለ ዝመስል። እንተድኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝርኣየልካን ዝመደበልካን ክትነብር ደሊኻ ንኣተሓሳስባኻ ምስ ቓል ኣምላኽ ብምውህሃድ ኣብ መስመር መደብ ኣምላኽ ምስ እተምጽኦ እዩ።

ብዘይየገድስ ማዕረ ክንደይ ሕልምናን ራእይናን ዓብይ ይኹን ቕድሚ ኣብ ናይ ሰባት ህይወት ኣቲና ለውጢ ከነምጽእ ምፍታንና – መጀመርያ ንሕና ብኣተሓሳስባ ኣእምሮና ክንልወጥ ኣለና ። ሮሜ 122 ከምዚ ይብልእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ  ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር  ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።ኣብዚ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ ክብል ከሎ መዓልታዊ ክንገብሮ ዘለና ትእዛዝ ኣምላኽ ካባና ዝጽበዮ ነገር ከም ዝኾነ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ከምዚ ብምርጫና እንተደለና ንገብሮ እንዘይደለና ድማ ንሓድጎ ከም ሓደ ርእይቶ ገይሩ ኣይኮነን ዝዛረብ  ዘሎ። ብምሕዳስ ሓሳብና ክንልወጥ ኣምላኽ ኣዚዙና ጥራይ ዘይኮነስ ክንገብሮውን ይጽበየና። ከመይ ጌርና ኢና እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክንምርምር ንኽእል፧ እቲ እንኮ መንገዲ ሰናይን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ንኽእልብምሕዳስ ሓሳብና ንክልወጥ ከሎና ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢልና ብፍላጥ ኣእምሮና ቓል ኣምላኽ ክንምግቦ ከለና ዝኸውን እዩ። ጽቡቕ ትምኒት ብምምናይ ጥራይ ኣይከውንን። ካብታ ንየሱስ ከም ናይ ግሊ እንኮ መድሓኒናን ጎይታናን ዝተቐበልናላ መዓልቲ ጀሚሩ መንፈስና ህያው ምስ ኮነ ከምኡ ድማ ኣእምሮና ህያው ኮይኑ ቕኑዕ ዘበለ ክሓስብ መታን ብቓል ኣምላኽ ወትሩ ክምላእን ክሕደስን ኣለዎ።

ኩሉ እኳ እንተዘይበልና ዝበዝሐ ኣብ ህይወትና ዝገጥመና ሽግራት ካብ ንሓስቦ ሓሳብ እዩ ዝምንጩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ልብና እንጸባጸቦን እነመዛዝኖን ዝተላዕለ ብዛዕባ ህይወትና ኮነ ኩነታትና ከምኡ ብግህዶ  ክንምኮሮ ንኽእል። ሰይጣን ኣብዚ ነገር ኣዝዩ በሊሕ ማለት ኣብ ኣእምሮና ዘጭንቕ ኮነ ዘፍርሕ ሓሳባት ካብ ምውርዋር ዓዲ ኣይውዕልን።  ንስኻ ግን ነቲ ዝውርውሮ ሓሳባት ዕድል ክትከልኦን ከይተስተናግዶን ሓይሊ ኣሎካ። ኣብ መንፈስ ቕዱስ ብምውካል ቓሉ ብምስትንታን ክትስዕሮ ትኽእል ኢኻ።  የሱስ እቲ እንኮ ጎይታ ባዕሉ ከምዚ ኢሉሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኲሉ ቓል እምበር ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ ልክዕ ከምቲ ነቲ ደጋዊ ኣካላትና  መዓልታዊ ንምግቦ ከምኡድማ ንኣእምሮና ቓሉ ክንመልኦ ከሎና ሽዑ ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባና ኣብ ኣካይዳና ክኸውን ይጅምር። ቓል ኣምላኽ ህያው ዝኾነ ሕብስቲ እዩ። እዚ ሕብስቲ ክትምገብ ከለኻ እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቃድ ኣምላኽ ንዓኻ እንታይ ምኻኑ እንዳፈለጥካ ክትመጽእ ኢኻ! ብሓቒ ይብለካ ኣለኹ! ክትፈልጦ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ባህ ዘብሎን ዘየብሎን እቲ ሰናይን ዘይሰናይን እንታይ ምኻኑ ክትምርምር ክትጅምር ኢኻ! ቓል ኣምላኽ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ይህበካ! ኣተሓሳስባኻ ካብ ምሕዳሱ ምልዋጡ ዝተላዕለ! ስለዚ ኣተሓሳስባና ምስ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ (ብመንገዲ ቓሉ) ብምውህሃድ ብምሕዳስ ሓሳብና ነቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ኩሉ ክንበጽሖን ንኻልኦት ንበረኸት ክንከውንን ኣጸቢቕና ንኽእል ኢና

ሳሌም..

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!