ኣተሓሳስባ 1ይ ክፋል

ሰብ ካብ ካልእ ፍጥረት ዝፍለየሉ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ክሓስብን ከመዛዝንን ምኽኣሉ እዩ።  “ሰብ ከምቲ ብልቡ ዝሓስቦ ከምኡ እዩ” ዝበሃል ሓቒ ዝኾነ ኣዘራርባ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ እንተሓሲብና እቲ ንርእዮን ንገብሮን ድማ ብኡኡ መጠን ጽቡቕ ይኸውን። ብኣንጻሩ ድማ ኣተሓሳስባና ኣሉታዊ እንተ ኾይኑ ኩሉ ንገብሮን ንብሎን ድማ ኣሉታዊ ይኸውን ። ልክዕ ከምቲ ካብ ሕጊ ስሕበት ተፈጥሮ ከነምልጥ ዘይንኽእል፥ ከምኡ ድማ ፥ ካብቲ ኣብ ኣእምሮና እነሰላስሎ ሓሳባት ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ፣ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና።

 እቲ ኣብ ኣእምሮና እነውርዶን ነደይቦን ሓሳባት ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘይየገድስ ኣብ ህይወትና ሓይሊ ኣለዎ። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንገብሮ ኩሉ ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስባና ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል። እንታይ ማለት እዩ እዚ፧ ሓደ ነገር ክገብር ይኽእል እየ ኢልካ እንተ ሓሲብካ ቕኑዕ ኣለኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብኣንጻሩ ድማ እዝስ ክገብሮ ኣይክእል እየ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ እዩ ኢልካ እንተ ሓሲብካ’ውን ቕኑዕ ኣለኻ ክትገብሮ ኣይትኽእል ኢኻ። እቲ ምንታይ እቲ ነገር ክትገብሮ እትኽእልን ዘይትኽእልን ቕድሚ ኣብ ባይታ ምግባርካ ኣብ ሓሳብካ ስለ ዝወዳእካዮ!

ኣብ ህይወት ዝዕወቱ ወይ ድማ ነገራት ዝብድሁ ሰባት ፥ ፈተናታትን ሽግራትን ስለ ዘይመጾም ኣይኮነን! እንታይ ደኣ፧ ኣተሓሳስብኦምን ኣመለኻኽቶምን ኣብ ህይወትን ነገራትን ኣወንታዊ ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ! ንዝመጾም ብድሆታት ህይወት ኩሉ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ኣብ ኣእምሮኦም ስፍራ ክረክብ ሰለ ዘይፈቕድሉ ። ኩሉ እኳ እንተዘይበልና ፡ ዝበዝሐ ናይ ሰብ ሽግር ካብ ኣተሓሳስብኡ እዩ ዝምንጩ። ስለዚ ካልእ መዓልቲ ክትሓስብ ከሎኻ ፡ ብዛዕባ እቲ ትሓስቦ ኣስተውዕል! እቲ ምንታይ ካብቲ ትሓስቦ ዓይነት ንላዕሊ ክትከውን ሰለ ዘይትኽእል!

 

ሳሌም.ገ.

 

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!