ኣተሓሳስባ (2ይ ክፋል)

 ሰብ ክገብሮ ኢሉ ዝሓስቦን ዝውጥኖን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ካብ ዝሓስቦ ሓሳብ እዩ ዝጅምር። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ጽቡቅ ዝሓስብ ሰብ ኩሉ ግዜ ጽቡቅ ክገብር እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ሕማቕ ዝሓስብን ዝርእን ሰብ ድማ ኩሉ ግዜ እቲ ዝገብሮ ተግባራት ዘይሃንጽ ይኸውን። እንታይ እየ ክብል ደልየ፧ ሰብ እቲ ዝሓስቦ እዩ ዝኾኖ። ዝኾነ ሰብ ካብቲ ዝሓስቦ ዓይነት ሓሳብ ንላዕሊ ክኸውን ኣይክልን እዩ። ስለዚ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ትሓስብን ተሰላስልን ከተስተውዕለሉ ይግባእ።

ከምዚ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ ፡ “ተጠንቂቅካ ነቲ ትሓስቦ ፍለጦ ፡ እቲ ምንታይሲ እቲ ትሓስቦ ናብ ትዛረቦ ቓል ስለ ዝቕየር፡ ከምኡ ድማ ተጠንቂቅካ ነቲ ትዛረቦ ቓል ኣስተውዕሎ እቲ ምንታይሲ ቓልካ ናብ ተግባር ስለ ዝቅየር ፡ ተጠንቂቅካ ነቲ ትገብሮ ተግባራት ተዓዘቦ እቲ ምንታይሲ ተግባራትካ ናብ ልማድ ስለ ዝቕየር ፡ ንልማዳትካ ውን ተጠንቂቅካ ተዓዘቦ እቲ ምንታይሲ ናብ ባህርይ ስለ ዝልወጥ ። ንባህርይኻ ተጠንቂቅካ ተዓዘቦ  እቲ ምንታይሲ ናብ ፍጻሜኻ ስለ ዘብጽሓካ” ማህተማ ጋንዲ ካብ ዝበሎ። እዚ ኹሉ ካብ ኣብ ኣእምሮና እንሓስቦ ሓሳብ እዩ ዝጅምር።

ሰብ ነቲ ዝሓስቦ ንዕኡ እዩ ዝመስል። እቲ ጽቡቕ ዝዘርእ ጽቡቕ ይዓጽድ ። እቲ ሕማቕ ዝዘርእ ድማ ሕማቕ ይዓጽድ። እዚ ክንክሕዶ ዘይንኽል ካብ ናይ ህይወት መምርሒ ሓደ እዩ። ናትካ ኣተሓሳስባ ከይለወጥካ ናይ ካልኦት ኣተሓሳስባ ክትልውጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብገዛእ ርእስኻ ጀምር። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ቕኑዕን ጽቡቕን ትሓስብ እንተኾንካ ብዛዕባ ካልኦት’ውን ከምኡ ጽቡቕ ክትሓስብ ክትጅምር ኢኻ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግጉይን ሕማቕን ትሓስብ እንተ’ድኣ ኮንካ ንካልኦትን ንነገራትን ዘለካ ኣተሓሳስባ’ውን ካብቲ ኣብ ገዛእርእስኻ ዘለካ ግጉይ ሓሳብ ፈሊኻ ክትርእዮም ኣትኽእልን ኢኻ። እቲ ምንታይ ሰብ ኣብ ህይወቱ ነቲ ብኣእምሮኡ ዝሓስቦ ስለ ዝመስልን ዝገብርን።

ስለዚ ነቲ ተሰላስሎ ሓሳብ ናብ ትኽክለኛ ፡ ቅኑዕ ፡ ሃናጺ ዝኾነ  እሞ’ኸኣ ንዓኻን ንካሎትን ዝጥቅም ክኸውን እትቅይሮ ንስኻ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ። ኣጸቢቅካ ትኽእል ድማ ኢኻ ። ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ክገብረልካ ኣይክእልን ፡ ንስኻ ጥራይ ኢኻ እታ መፍትሕ ዝሓዝካ።

 

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!