ሓደ ካብቲ ንገዛእርእስና ኩሉ ግዜ ከነዘክራ ዘሎና ነገር ስምዒትና መንነትና ከምዘይኮነ እዩ ። እሬንዮስ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብ 1ይ ክፍለ ዘመን ናይ ቤ/ክ ኣቦታት ዝኾነ ከምዚ ኢሉ “ ክብሪ እ/ር ‘ሲ ሓደ ብኹለንታናኡ ህያው ኮይኑ ዝነብር ሰብ እዩ ።” ንሕና ከም ደቅሰባት ምስሊ ኣምላኽ እንጸውርን እነንጸባርቕን ኢና ። ስለዚ ንውሽጣዊ ድርኺታትና ጥዕና ብዘለዎ መገዲ ክንገልጾ ከሎና ምስ ገዛእርእስናን ምስ ካልኦትን ዘለና ሕብረት ኣዝዩ ምቹእ ንክኸውን ይሕግዝ ። ውሽጣዊ ስምዒታትና ከነቕልበሉ ከሎና ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንሓልፎ እንምኮሮን ዘበለ ኩሉ ብዝሓሸ መንገዲ ክንገልጾን ግቡእ ሚዛኑ ከነትሕዞን ይጠቕመና።
ውሽጣዊ ድርኺታትና ብገዛእርእሶም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ። እንታይ’ድኣ ኣብቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዘለናዮ ህሞትን ኩነታት ኣረዳድኣናን ይምርኮስ – ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ስምዒት ንከገንፍል! ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ዝበልናዮ ገለገለ ኩነታት ወይ ሰባት ካብ ውሽጥና ናይ ደስታ ወይ’ከኣ ሓርቖት ምላሽ ክንህብ ክጸልዉና ይኽእሉ። ስለዚ ስምዒትና ባዕልና ኣቃልቦ ብምሃብ ስርዓት ከነትሕዞ ከነስተኻኽሎን ንኽእል ኢና። ኣብዚ ግና ንስምዒትና ባዕልና ክንቆጻጸር ክንብል ናብ ዘይተድልየ ምሕባእን ምድቋስን ስምዒትና ዝወስደና እንተኾይኑ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እቲ ምንታይሲ ስምዒቱ ዝጸቕጥ ሰብ ልክዕ ከም ተፈንጃሪ ቦምባ ኣብ ውሽጡ ተሰኪሙ ዝነብር እዩ – መዓስ ከም ዝትኮስ ኣይፈልጥን እዩ ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ውሽጣዊ ድርኺትና ንምቁጽጻር ናይ ካልኦት ሰባት ሓገዝን ምኽርን ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ሓደ ካብቲ ኣካላትና ንገዛእርስና መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ መንገዲ ብመንገዲ ውሽጣዊ ስምዒትና ኣቢሉ እዩ ። ንምንታይ ከምዚ ይኸውን ፧ ውሽጣዊ ስምዒታትና ዝምኮሮ ዘበለ ኹሉ ምስ ተገንዝቦኣዊ ርድኢትና ኣዝዩ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ ። ብኣብ ከባቢኻ ዝኽሰት ነገራትን ኩነታትን ስምዒትካ ኣይቅስቅሶን እዩ ፣ እንታይድኣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዘሎካ ኣረኣእያ ኮነ ኣረዳድኣ ግና ንውሽጣዊ ስምዒትካ ምላሽ ክህብ ይድርኾ ። እዚ ማለት ማንም ኣገዲዱ ንስምዒትካ ክቅስቅሶ ኣይክእልን እዩ እስኻ ባዕልኻ እንተዘይፈቂድካሉ! ብዛዕባ ስነ-ሓንጎል ብተደጋጋሚ ካብ ዝተገብረ መጽናዕትታት ከም ዝነግረና ፣ ሓንጎልና ካብ ንውለድ ጀሚርና ኩሉ ኣብ ህይወትና ዝገጠመናን ዝሓለፍናዮን ዘበለ ከም ዝስንዶ እዩ ። ካብዚ እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ ብዛዕባ ሕሉፍ ፍጻሜ ህይወትና ዘሎና ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ተዘኩሮታት ኩሉ ኣእምሮና ምስ ስምዒትና ኣተኣሳሲሩ ሰኒድዎ ኣሎ!
እቲ እንኮ ሰብ ንስምዒትካ ክቖጻጸሮ ዝኽእል እስኻ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ! ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕሉፍ ህይወትካ ዝገጠመካ ፍጻሜ ዘለካ ተዘክሮ ብገዛእርእሱ ንስምዒትካ ከለዓዕሎ ኣይክእልን እዩ ፣ እንታይድኣ እቲ ዝተፈጥረ ስምዒትካ ኩሉ ምስ ተዘኩሮኻ ዝተተሓሓዘ እዩ በዚ ድማ ንውሽጥኻ ደሪኹ ምላሽ ክትህብ ይገብረካ ። ንኣብነት ኣብ ህይወትካ ዓመጽ (ኣካላዊ ዓመጽ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ወዘተ) ዝገጠመካ ሰብ እንተኾይንካ – እዚ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ውሽጥኻ ዝተፈላለየ ከም ሕርቓን ፡ መጉዳእቲ ፡ ጓሂ ወይ ተስፋምቑራጽ ዝኣመሰለ ስምዒታት ከገንፍል ይኽእል ይኸውን ። እዞም ከምዚኦም ዓይነት ስምዒታት በቲ ኣብ ህይወትካ ዝገጠመካ ኩነት ዝተላዕለ ዝተኸስቱ ብኣጋኡ ሓገዝ ረኺብካ እንተዘይፈዊስካዮም ንህይወትካ ናብ ናይ ዕንወት መንገዲ ከምተምርሕ ክገብሩዋ ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽኡልካ ይኽእሉ። ነቲ ዝገጠመካ ኩነታት እንዳኣነኣኣስኩ ኣይኮንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ እንታይድኣ ንስምዒትካ ግቡእ ኣቃልቦ ሂብካ ኣመዛዚንካ ህይወትካ ንቕድሚት ከትስጉም ሓይሊ ከም ዘሎካ ከዘክረካ ስለ ዝደለኹ እየ ።
ቕዱስ ኣንጦንዮስ ዝበሃል ከምዚ ኢሉ ሓቲቱ “ ካብ ገዛእርስኻ ዝረሓቕካ እንድሕር ኮይንካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ናብ ኣምላኽ ክትቐርብ ትኽእል፧ ” ከምዚ ኢሉ ድማ ጸልዩ “መታን ንዓኻ ክፈልጥካስ ገዛእርእሰይ ክፈልጥ ጎይታ ደግፈኒ ። ” ካብ ገዛእርእስናን ስምዒትናን ዝረሓቕና እንድሕር ኮይና ምስ ኣምላኽ ኮነ ምስ ካልኦት ሰባት ጥቡቕ ዝምድና ክህልወና ዘይሕሰብ እዩ ።ስለዚ እምበኣር ንውሽጣዊ ድርኺትና ግቡእ ተገንዝቦን ርድኢትን ምሃብ ኣብ ህይወትና ሓድሽ ምዕራፍ ክንጅምር ይድግፈና። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣሉታውያን ዝኾኑ ስምዒታት ከነቕልበሎም ከሎና ። እዚ ብምግባር ድማ ፈውሲ ኣብ ህይወትና ይጅምር። ብኣንጻሩ ድማ ውሽጣዊ ስምዒታትና ክንዶቕሶ ከሎና ፡ ሸለል ክንብሎ ከሎና ፡ ዋጋ ከይሃብናዮ ምስ እንተርፍ ልክዕ ከም ነቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርናሉ ሰብኣዊነትና ከም ምንዓቕ ማለት እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ክውን ዝኾነ ሓቒ ክንሃድም ከምኡውን ካብ ምስ ኣምላኽን ሰብን ዘሎና ሕብረት ክንርሕቕ ይገብረና። እዚ ንሕሰብ – ውሽጣዊ ድርኺት/ስምዒት ሃልይዩና ማለት ምልክት ናይ ሰብ ምዃና እዩ’በር ንሱ ባዕሉ ማንነትና ኮይኑ ማለት’ዩ ኣይኮነን ።
ክሳብ ኣብ ዝቅጽል ጽሑፍ ንራኸብ – ሰሰናዩ !
*ስእሊ ብሚኪኤለ ዘካርያስ