ኮሮና’ውን ክሓልፍ እዩ

Canva - Purple Petal Flower

ድሕረ ባይታ ናይ ቫይረስ (ተጻባኢ ህዋስ)፡ ዝበዝሑ ናይ ጥዕና ሊቃውንቲ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ብዛዕባ ባህሪ ናይ ቫይረስ ኣዝዩ ደቂቕ ፍጥረት ብመጉልሒ ጥራይ ክርአ ዝኽእል’ምበር ናይ ባዕሉ ሂወት ዘለዎ ፍጥረት ኣይኮነን። ከም ሂወት ዘለዎ ፍጥረት ክኽፈል እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ ሓደ ፍጡር ዘለዎ ናይ ገዛእ-ርእሱ ባህርያት ከም ምንቅስቃስ፣ ምዕባይ ከምኡ’ውን ናይ ምፍራይ ክለት ክህልዎ ከሎ እዩ። ዋላ’ኳ ሓደሓደ ‘ዚ ባህርያት ኣብ ቫይረስ ይርአ እንተኾነ ብገዛእርሱ ተራቢሑ ክፋረ ስለ ዘይክእል ግን  ከም ሓደ ህዋስ ፍጥረት ኣይቁጸርን ኢዩ። ናቱ ዝኾነ ናይ መበቆላዊ  ዘርኢ (genetic information) ኣለዎ፡ ይኹን  ድኣ’በር ንኽፋረ ክሕግዞ ዝኽእል ዘአንግድ ዋህዮ (host cell) የድልዮ። ሓደ ቫይረስ ንኣታኽልቲ፣እንስሳታት፡ ሰባት ከምኡ’ውን ባክተሪያ ከም መራብሕን መአንገዲን ፋብሪካ ክጥቀመሎም ይኽእል። ምስ ተራብሐ ድማ ቐጥታቂ ርክብ ምስቲ ዝሓመመ ሰብ ወይ ብዘይቐጥታዊ ብዝኾነ መንገድታት እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ክመሓላለፍ ይኽእል።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ  ድሕረ ባይታ ብምግባር ብዛዕባ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ-19፡ ጠንቂ ሳዕቤን ፡ጠቀምቲ ዝኾኑ መከላኸሊ መንገድታት ከምኡ’ውን ክንገብሮም ዝግብኣና ነገራትን ክንርኢ ኢና። ኮሮና ቫይረስ-19 ኣቐዲሙ ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ብWHO ኣብ ምሉእ ዓለም ተላባዒ ሕማም ኮይኑ ተኣዊጁ። እቲ ነዚ ሕማም ዘስዕብ ተጻባኢ ህዋስ SARS-CoV-2 ዝበሃል ኮይኑ፣ክፋል ናይ coronaviruses(CoV) ዝበሃሉ ተጻባእቲ ህዋሳት ጉጅለ እዩ። ከም ኣኽሊል ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጽሓይ ይመስል ፡ንባዕሉ እቲ ቃል’ውን ካብ ናይ ላቲን ቃል ኣኽሊል (crown) ዝብል ዝመጸ እዩ። እዞም coronaviruses(CoV) ጉጅለ ቫይረስ ከም ስዓል ዝኣመሰለ ቀሊል ሕማም ክሳብ ኣዝዩ ከቢድ ሕማማት ከም በዓል ነድሪ-ሳምቡእ፣ ካልኦት ናይ ስርዓተ እስትንፋስ ሕማማትን ዘስዕቡ ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ሸውዓት coronaviruses ንሰባት ዘጥቅዑ ዝተፈልጡ ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ልሙዳት’ዮም ማለት ከም ወቅታዊ ሰዓል ዘስዕቡ ጥራይ ኢዮም። እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ግና ኣዝዩ ከቢድ ሕማምን ሞትን ከስዕቡ ዝኽእሉ ኢዮም፡ ከም SARS-CoV-2. ናይዚ እዋን ሕማም ኮሮና ቫይረስ-19 ጠንቂ ሳዕቤን ዝኾነ  ቫይረስ እዩ።

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፥

  • ብዝፍጠር ንጣር(droplets) ቐጥታዊ ዝኾነ ርክብን ኢዩ። እዚ ማለት ሓደ ዝሓመመ ሰብ ክስዕል ዕንጥሽው ክብል ከሎ ናብ ካልእ ሰብ ብቐጥታ የመሓላልፍ። እዚ ማለት በቲ ካብቲ ሰብ ዝፍጠር ንጣር ክስዕል ከሎ ብቀጥታ እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ሰብ ብመንገዲ ኣፍንጫ ፡ ዓይኒ ፡ ኣፍ ኣቢሉ ናብ ጎሮሮ ካልእ ሰብ ይኣቱ ። በዚ ቫይረስ ዝተበከለ ናውቲ ኣቕሑት ክንሕዝ ከለና ፡ ምኽንያቱ እቲ ቫይረስ ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ዝኣክል ኣብ ኣቑሑትን ጽፍሕታትን ክጸንሕ ስለ ዝኽእል። እቲ ዝሓመመ ሰብ ምሕማሙ ከይፈለጠ ንካልኦት ከመሓላልፍ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ነቲ ሕማም ተላባዒ ይገብሮ። ኣብ ውሽጢ ሰዓት ሓደ ሰብ ክሳብ 23 ግዜ ዝኣክል ገጹ ይሕዝ ፡ በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ ሓደ ሰብ ሰላም ካብ ምባል ክቑጠብ ዘለዎ ብፍላይ ምስ’ዚ ምልክታት ናይዚ ሕማም ዘለዎ ሰብ  ብኢዱ ኣፍንጫኡ ፡ ዓይኑ ፡ ኣፉ ክሕዝ ከሎ በቲ ሕማም ክልከፍ ተኽእሎ ሰለ ዘሎ።   

ምልክታት ናይዚ ሕማም ፥ 

  • ረስኒ ፣ ሰዓል ምስዓል፣ ሕጽረት ምስትንፋስ፣ ጎሮሮ ምስሓይ። እዚ ምልክታት ብድሕሪ እቲ ሰብ በቲ ቫይረስ ምትሓዙ ካብ 1-14 መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል።

ኣብ መንጎ ጒንፋዕን ኮሮና ቫይረስ-19 ዘሎ ተመሳሳልነትን ፍልልይን

  • ክልቲኡ ንስርዓተ እስትንፋስ የጥቅዕ፡ ተመሳሳሊ ዝኾነ ምልክታት የርኢ ከምኡ’ውን ክልቲኡ ብንጣብን ቐጥታዊ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ። 
  • እቲ ፍልልዩ ድማ ኮሮና ቫይረስ-19 ዝተታሕዘ ሰብ እቲ ሕማም ከም ዘለዎ ከይፈለጠ ወይ’ውን ምልክታት ናይቲ ሕማም ከየርኣየ ከሎ ኣብ ውሽጢ 24-48 ሰዓታት ንካልኦት ከመሓላልፍ ይኽእል። ጌና ክታበት ዘይተረኽቦ ሕማም ኢዩ።
  • ኮሮና ቫይረስ-19 ንኹሉ ሰብ እኳ ዘጥቕዕ እንተኾነ፡ ብዝያዳ ዘጥቅዖም ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ግና ሽማግለታት ብዕድመ ዝደፍኡ ከምኡ’ውን ካልእ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ከም ብዝሒ ደም፡ ሽኮርያ፣ ካንሰር፡ ሕማም ልቢ.. ወዘተ። ካብቲ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ነዚኦም ዝያዳ  የጥቕዖም ክሳብ ናብ ሞት ከብጽሖም ይኽእል።

ከመይ ጌርካ ገዛእርእስኻን ካልኦትን ትከላኸል፧

  1. ኣብ ቕድሚ ካልኦት ሰባት ካብ ምስዓል / እንጥሽው ካብ ምባል ተቖጠብ። ኩሉ ግዜ መንዲል ናይ ኣፍንጫ ንጠቀም፣ ክንስዕል ከለና ድማ ናብ ኩርናዕ ኢድና ኣቢልና ንስዓል ብድሕሪኡ ድማ ኣእዳውና ብግቡእ ንተሓጸብ።
  2. እንድሕር ተጸሊኡና ድማ ካብ ገዛና ኣይንውጻእ፣ ኣብ እኩብ ሰብ’ውን ኣይንረኸብ። ናይ ሕክምና ረድኤት ዘድልየና እንተኾይኑ ድማ ብቀጥታ ናብ ናይ ቤተሰብና ዶክተር ንደውል፡ ንሶም ዝህቡና መምርሒ ድማ ንከተል።
  3. ምስ ካልኦት ሰባት ብቐጥታ ካብ ምርኻብ ንቖጥብ ፡ ብፍላይ ምልክታት እቲ ሕማም ዘርእዩ ሰባት እንተኾይኖም።
  4. ገጽና ብፍላይ ከባቢ የዒንትና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍና ካብ ምትሓዝ ንቖጠብ።
  5. ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን እንተውሓደ ን20 ካልኢት በብእዋኑ ንተሓጸብ።
  6. ንጥቀመሎም ኣቕሑን ጽፍሕታትን በብእዋኑ ነጽርዮ ፡ ምኽንያቱ እቲ ቫይረስ ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ዝኣክል ኣብ ኣቑሑትን ዝተፈላለየ ጽፍሕታትን ክጸንሕ ስለ ዝኽእል።
  7. ሰባት ሰላም ካብ ምባል ንቕጠብ። ኣብ ክንድኡ ፍሕሽው ፍሽኽታ ብምርኣይ ወይ’ውን ኣእዳውና ብምውዝዋዝ ሰላምታና ንግለጽ።
  8. ምስ ሰባት ክንራኸብ ከለና ናይ ግድን እንተኾይኑ ናይ 6ፊት ወይ 2ሜትሮ ርሕቀት ይሃልወና።

ማሕበራዊ ርሕቀትን ምውሻብን ንግዜኡ ነዘውትር! ኣብ ገዛኻ ምዃን/ምውሻብ ነዚ ሕማም ካብ ምልባዕ ክኽልክልን  ክቕንስን ይኽእል።

ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ክንሕሉ ክንገብሮም ዝግብኣና ጠቀምቲ ሜላታት

ኣብዚ ኣማታኢን በዳህን ኩነታት ኣእምሮ ናይ ሓደ ሰብ ብቐሊሉ ክጽሎ፥ ክጭነቕ፥ ብፍርሒ ክወሓጥ ንቡር ኢዩ።  ከምቲ ኣካላዊ ጥዕናና ንከናኸኖ ፡ ኣእምሮና’ውን ክንጥንቀቀሉን ኣቃልቦ ክንህቦን ይግባእ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ምስ ምውሻብ ዝተኣሳሰረ ካብ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ጭንቀትን ክንወጽእ ክንኣልዮን ዝሕግዙና መንገድታት ክንርኢ ኢና።

  1. ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ብጸሎት ምቅራብ፡ ጾርና ኣብ ትሕቲኡ ምፍሳስ፡ ትውክልትና ኣብኡ ምግባር
  2. ምስ ቤተሰብናን የዕሩኽትናን ዘለና ርክብ ዘይምቁራጽ (ብተሌፎን፣ ቪድዮ ምዝርራብ፡ቴክስት)፣ ብኣካል’ኳ እንተተረፈ ብኻልእ መንገድታት ጌርና ምርኻብና ንዓቕቦ
  3. ኣወንታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምህላው፣ በቲ ዘለካ ምምስጋንን ሞሳ ምሃብን
  4. ብብዝሒ ዜና ምስማዕን ምርኣይን ነቲ ዘለና ፍርሕን ጭንቅን ከዛይዶ ስለ ዝኽእል ብኸፊል ምርኣይ
  5. ኣካላዊ ምንቕስቃስ ኣብ ገዛና ምግባር፣ ብዝተኻእለና መጠን ዝተመጣጠነ መግቢ ምብላዕ
  6. እኹል ድቃስ ምርካብ ፡ ካብ ወልፍታት ምቁጣብ
  7. ንፈትዎ ነገር ምግባር ከም ምንባብ፡ ኣብ ደገ ምውጻእ (ውሑስ እንተኾይኑ) ተፈጥሮ ምስትምቃር
  8. ብዛዕባ እዚ ሕማም ትኽክለኛ ዝኾነ ሓበሬታ ክህልወና ከሎ፡ ዘይተደልየ ጭንቀትን ፍርሕን ካባና ከወግዶ ይኽእል። ንኣብነት ከም https://www.canada.ca/en/publichealth/services/diseases/coronavirus-disease-covid-19.html

https://www.who.int/emergencies/diseases/novel-coronavirus-2019/advice-for-public

https://www.alberta.ca/coronavirus-info-for-albertans.aspx

https://www.albertahealthservices.ca/topics/Page16944.aspx

  1. ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ (911 ምድዋል ፣ 811 ምድዋል(ተቐማጦ ኣልበርታ ጥራይ)
  2. ካልኦት ጠቀምቲ ቁጽሪ ስልክታት ንምውካስ ዝኣክል ፥

*ቁጽሪ 10. ካብ AHS website ዝተወስደ*

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!