ውሽጣዊ -ድርኺት

ውሽጣዊ ድርኺት

ውሽጣዊ ድርኺት

 

ስምዒትካ ይስምዓካ’ዶ ወይስ የስምዓካ ኣሎ፧

ውሽጣዊ ድር’ኺታት (ስምዒታት) ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ክፋል ሰብነትና እዮም። ውሽጣዊ ድር’ኺት (ስምዒት) ሰብ ናይ ምዃንኳ ምልክት እዩ። ስምዒት ( ኣእምሮኣዊ ዘይኮነ ውሽጣዊ ድፍኢት) ኣብ ውሽጥኻ ትምኮሮ ኮይኑ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጥሓ ዝተሰምዓካ ብዝተፈለላለየ ደግኣዊ መንገዲ ክትገልጾ ከለኻ እዩ። ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሰብ ብዘይ ውሽጣዊ ድርኺት ስምዒት ኣልቦ ክኸውንን ስምዒት ዘይብሉ መንጎ መንጎ ኮይኑ ክነብርን ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ።

ከም ደቀሰባት መጠን መንፈሳውያን፣ ስጋውያን ፣  ማሕበራውያን ፥ ውሽጣዊ ድርኺትን ልቦናን ዘሎና ብኣምላኽ ዝተፈጠርና ፍጡራት ኢና። ንሓደ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐሰ ክፋል መንነትና ክነጽጎ ፡ ሸለል ክንብሎ ወይድማ ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጽና ክንርእዮ ምስ እንጅምር ናቱ ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣብ ህይወትና የስዕብ ። ስምዒታትና ሸለል ክንብሎ አንተጀሚርና ምስ ገዛእርእስና ፥ ምስ ካልኦት ሰባትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብዓቢኡ ምስ ኣምላኽ ዘለና ሕብረት ከይተረፈ ክጥምዝዞ ይጅምር ። እቲ ምንታይ ኣምላኽ ባዕሉ ምሉእ-ሰብ ማለት መንፈሳዊ ፥ ስጋዊ ፥ ማሕበራዊ ፥ ውሽጣዊ ድርኺት ዘለዎ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና ። ውሽጣዊ ድርኺት (ስምዒት) ምህላውካን ክትምኮሮ ምኽኣልካን መርኣያ ሰብ ምንካ እዩ ። ሰብ ክሳብ ዝኾንካ ድማ ውሽጣዊ ድርኺት (ስምዒት)ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ንውሽጣዊ ድርኺትካ (ስምዒትካ) ምንእኣስ ሸለል ምባል ነቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርካሉ ኣፈጣጥራ ከም ምንዓቅ ማለት እዩ። ኩሉ ክፍሊ ሰብኣዊነትካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ፤  ውሽጣዊ ስምዒትካ’ውን ከይተረፈ ማለት እዩ።

 

 

ስለዚ እምበኣር ውሽጣዊ ድፍኢት(ስምዒት) እንታይ ማለት እዩ ፧ ውሽጣዊ ድርኺት ክንብል ከለና ብዙሕ ጽፍሕታት ስምዒት ዝወሃሃደ ዝተፈላለየ መዐቀኒታትን ተመኩሮታትን ህይወት ዘማእከለ  ፤ ምስ ናትና ባዕላዊ ተመኩሮ ፣ ባህሊ ተኣሳሲረ ዝግለጽ እዩ (ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ) ። ብናይ ገዛእርእስና ሓገዝ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ወይ’ውን ብናይ ካልኦት ሓገዝ ብግቡእ ስምዒትና ክንገልጽን ክንቆጻጽርን ይሕግዙና ። ብሕጽር ዝበለ ኣተረጓጉማ ውሽጣዊ ድርኺት ኣነን ንስኻን ኣብ ህይወትና እንምኮሮ ነቲ ብውሽጥና ዝተሰምዓና ስምዒት ድማ ብዝተፈላለየ ደግኣዊ መንገዲ እንገልጾ ማለት እዩ። እቲ ቐንዲ ሓሳብ ናይ ውሽጣዊ ድፍኢት ፣ ኩላትና ደቂ ኣዳም ኣብ ህይወት ጎዳና እንምኮሮ ብዝተፈላለየ መንገድታት ድማ እንገልጾን እንነብሮን እዩ ።

 

ኣብ ነብስና ዝስምዓና ዘበለ ኩሉ ውሽጣዊ ድፍኢታት ብዝተፈላልየ ኩነታትን ነገራትን ክድረኽ ክጽሎው (ትሪገር) ክኸውን ይኽእል እዩ ። እዚ ማለት ኣብ ህይወትካ ዝሓለፍካዮ ከቢድ ኩነታት ፤ ዘጋጠመካ ፍጻሜታት ፤ ሰባት ፡ ከምኡውን ኣተሓሳስባኻ  … ወዘተ  ክትዝክር ከለኻ ንልብኻ ኣእምሮኻ ውሽጣዊ ስምዒታትካን  ከም መብራህቲ  ዝውልዖ ክኸውን ከሎ ።  ንስምዒትካ ዝቅስቅስ ኩነት ክፍጠር ኣለዎ ንስምዒትካ ከተቕልበሉን ክትምኮሮን እንተድኣ ኾንካ ። ንኣብነት ህጻን ኣብ ቤትካ እንተተወሊዱ ንኽትሕጎስ ትድረኽ ፤ ብኣንጻሩ ድማ ናይ ቀረባ መቅርብካ ብሞት እንተተፈልዩ ጓሂ ሓዘን ኽስምዓካ ትቅስቀስ ። ስለዚ ናይ ውሽጥኻ ስምዒት ክግለጽ በቲ ኣብ ህይወትካ ኮነ ኣብ ከባቢኻ ዘጋጥመካ ኩነታት ክቅስቀስ ኣለዎ ። ከተስተውዕለሉ ዘለካ – እንታይ’ዩ ንስምዒትካ ዝቅስቅሶ ፧

 

ውሽጣዊ ድርኺትን ኣገላልጽኡን ኣብ ኩሉ ዕድመ ህይወት ዓለምለኻዊ ዝኾነ እዩ ። እዛ ሓሳብ ደጊመ ኣጒሊሐ ክብላ ፍቀዱለይ – ስምዒት ናይ ሓደ ህጻንን መንእሰይን ልክዕ  ከም ናይ ሓደ እኹል ሰብ ስምዒት ማዕሪኡ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ ። እዚ ክብል ከለኹ ኣነ ባዕለይ’ውን ኣብቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ ዝተመኮርክዎ ስለ ዝኾነ እዩ። ማለት ንውሽጣዊ ስምዒት ህጻናትን መንእሰያትን ትሑት ኣተኩሮ ዝህብ ሸለል ዝብል ባህሊ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ዝበዛሕና እንሰማምዓሉ ኢለ ዝሓስቦ ኣብነት ክህብ – ኣብ ሓደ ገዛ ሞት ናይ ኣደ/ኣቦ/ሓው/ሓፍቲ ምስ ዘጋጥም እሞ’ኸኣ ሓደ ህጻን ፡ መንእሰይ ኣባል ናይቲ ገዛ ምስ ዝህሉ ነቲ ህጻን በቲ ዘጋጠመ ሞት ዝተሰምዖ ስምዒት ክገልጽ ወይ ኣብ ከመይ ስምዒታዊ ኩነታት ከም ዘሎ ዘቅልበሉን ዝሓቶን ሰብ ዳርጋ የለን ። ክሳብ ዝተመገበ ዝደቀሰ ብዛዕባ ስምዒታዊ ኩነታቱ ዘረጋግጽ የለን እትረፍ’ዶ ናብቲ ናይ ዝሞተ ሰቡ ቀብሪ ክሳተፍ ። ምናልባሽ ሓደ ክልተ ነዚ ኣስተውዒሉ ዝገብሮ ኣይሰኣንን ይኸውን ፡ ንዝበዛሕና ግና ዝገጠመና ከምዚ ኣብነት ክኸውን ይኽእል ። ሓደ ሰብ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣብዚ ይዝከረኒ “ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ናይ ቆልዑት ውሽጣዊ ስምዒታት የነኣእስዎ፣ እንተኾነ ግና እሶም ባዕሎም ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ ኣብ ቖልዕነቶም ዝገጠሞም ስምዒታዊ መጉዳእቲ ንምፍዋስ ግዜኦም የሕልፍዎ ።” ሓቒ እዩ! ስለዚ እወ ናይ ቆልዑትን መናእሰይን ውሽጣዊ ስምዒትን ኩነታትን ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኸነዐርዮ ተበግሶ ክንወስድ ምስ እንጅምር በቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተስፋ መጻኢ ወለዶ እንዳሓሰብኩ ባህታ ይስምዓኒ ።

 

ውሽጣዊ ድርኺት ዓለምለኻዊ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ  ጽልዋኡ ኣብ ህይወትና ክንክሕዶ ኣይንኽልን ኢና ። ገለ ካብቶም መሰረታውያን ስምዒታት እንምኮሮም ንምጥቃስ ሓጎስ ፡ ሕርቓን ፡ ጓሂ ፡ ፍርሒ ፡ ስምባድ ፡ ጽልኢ ፡ ሃንደበታውነት ፡ ተቐባልነት ፡ ተነጽሎ ወዘተ ዝኣመሰሉ። ዝተፈላለየ ውሽጣዊ ስምዒታት ኣብ ህይወትና ንምኮርን ንፈጥርን በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ስምዒታት ክንሓልፍ ከሎና እዩ ። ስለዚ ዝተፈላለየ ስምዒታት ብዝተፈላለየ ኩነታት ተደሪኽካ  ኣብ ውሽጥካ ክስምዓካ ከሎ እቲ ስምዒት ንሱ ንዓኻ ሰብ ምዃንካ መዘኻኸሪ እዩ! እዚ ዘክር ውሽጣዊ ስምዒት ሃልዩካ ማለት ምልክት ናይ ሰብ ናይ እዩ ። ንስምዒትካ ብግቡእ ግለጾ ድኣእምበር ኣይትሕብኣዮ ።

 

ሓደ ናይ ግሪኽ ፈላስፋ ከምዚ ኢሉ “ ሰባት ብዝገጥሞም ኩነታት ኣይነቃነቁን እዮም ፡ እንታይ ድኣ በቲ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዘለዎም ኣረኣእያ እምበር።” ኣብ ህይወት ብእትሓልፎ ዘበለ ኩሉ ንውሽጣዊ ስምዒትካ ከም ድላዩ ክዝውሮ ኣይክእልን እዩ ዕድል ክሳብ ዘይሃብካዮ ። ግናኸ እቲ እትሓልፎ ኩሉ ኩነት  ንውሽጥኻ ከም ዝስምዓካ ገይሩ ክቅስቅሶ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ከምዚ ኩነት ነቲ ሽዑ ዝስምዓካ ዘሎ ውሽጣዊ ድርኺት ኣዚኻ ኣቕልበሉ ምኽንያቱ ንህይወትካ ብኣሉታ ዝጸልው ተግባር ክትገብር ክደፍኣካ ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ! ንስኻ ስምዒትካ ኣይኮንካን! ስምዒትካ ክፋል ናይ መንነትካ እዩ’ምበር ባዕሉ ንሱ መንነትካ ኣይኮነን ። በዚ ሕሰብ !

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!