ፈውሲ ውሽጣዊ – ድርኺት

Copy of Green and Yellow Flowers Simple Get Well Soon Card copy

ደቂ-ሰባት ብምስሊ ኣምላኽ ብኹሉ ምሉኣት ኮይና ዝተፈጠርና ኢና። ማለት ሰብኣዊነትና መንፈሳዊነትና ፡ ማሕበራዊነትና ውሽጣዊ ድርኺትናን ተገንዝቦኣዊ ፍልጠትናን ዘጠቃለለ እዩ። ንሓደ ክፋል መንነትና ኣኽቢርና ነቲ ሓደ ሸለል ክንብል ኣይግብኣናን ። እዚ ኹሉ ውሽጣዊ  ውቓቤና ህይወት ሰዂዑ ብግቡእ ክዓይይ ከሎ ሽዑ ብኹሉ ምሉኣትን ህያዋንን ጥዑያትን ፍጥረት ኣምላኽ ኮይንና ንመላለስ።

እዚ ጽሑፍ ካብ ዝሓለፈ ዛዕባ ውሽጣዊ ድርኺት ዝቀጸለ ኮይኑ ፣ ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ውሽጣዊ ፈውሲ ስምዒትና ኣተኲርና ገለ ሓሳባት ክንርእይ ኢና ። ኣብ ውሽጣዊ ስምዒት ኣገላልጻና ክንመጽእ ከለና  ብፍላይ ድማ ኣሉታዊ ስምዒት ብዝምልከት ገለ ሰባት ስምዒቶም ኣብ ውሽጦም ዝዓቑሩ “ሰጎድቲ ስምዒቶም” ክኾኑ ከለዉ ፣ ገለ ሰባት ድማ “ተፋእቲ ስምዒቶም” እዮም ። እቲ ስምዒቱ ዝዓቑር ሰብ ልክዕ ከም ተፈንጃሪ ቦምባ’ዩ ፣ መዓስ ነቲ ዝዓቖሮ ስምዒቱ ከም ዝትኩሶ ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ስምዒቱ ሱቕ ኢሉ ኣብ ኩሉ ምስ ዝኾነ ኣብ ዝኾነ እዋን ዝተፍእ ሰብ ድማ ልክዕ ከም እሳተ- ጎመራ’ዩ ። እዚኦም ክልተ ኣመና ሕሉፍ ዝኾኑ ኣገላልጻ ውሽጣዊ ድርኺት እዮም ። ሓደ ሰብ ግቡእ ኣቃልቦ እንድሕር ዘይሂብዎም ጥዑይ ዝኾነ ለውጢ ምምሕያሽ ከይገብር ኣዝዮም ዓገቲ ይኾኑዎ ። ንውሽጣዊ ስምዒትና ኣፍልጦ ምሃብ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ለውጢ እዩ ። ወይእውን እንተውሓደ ከመይ ጌርና ነቲ ዝስምዓና ስምዒት ክንገልጾ ከም እንኽእል ምፍላጥ ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ከም ምኻድ እዩ ። ነቲ እንፈልጦ ጥራይ ኢና ክንቕይሮ እንኽእል ።

ውሽጣዊ ድርኺት – ማለት ንስምዒትን ናይቲ ስምዒት መለለዪ ሓሳብ፡ ሚዛናዊ ባህርይን ስነ-ሂወታዊ ባህርይን ዘጠቃለለ (logical and biological states) ኮይኑ ስጉምቲ ክትወስድ ዝምባሌ ዘሕድረልካ እዩ (ስምዒታዊ ብልሒ ብዳኒኤል ጎልማን)። ብመሰረቱ  ኣፈጣጥራና ከም ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት ክስምዓናን ከነስተውዕሎን ተኽእሎ ኣሎና። ን ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ’ዚ ንውሽጣዊ ድርኺት ኣብ 8 ዓበይቲ መሰረታውያን ክፍልታት ይኸፍልዎ – ሕርቓን ፡ ጓሂ ፡ ፍርሒ ፡ ፍስሃ ፡ ፍቕሪ ፡ ምግራም ፡ ሕፍረትን  ጽልኢን ። ካብቲ ዝገርም ዝበዝሕ ግዜ ሰብነትና ቅድሚ ሓንጎልና ነቲ ዝስምዓና ስምዒት ምርዳኡ ሰብነትና ቀዲሙ ይፈልጦን የለልዮን ። ብፍላይ ኣሉታዊ ስምዒት ክስምዓና ከሎ ሰብነትና ብኸምዚ ይገልጾ ሃንደበት ትርግታ ልቢ ክውስኽ ከሎ ፡ ናይ ጭዋዳ ወጥሪ ፡ ናይ ጨጎራ ቃንዛ ፡ ናይ ርእሲ ቃንዛ ፡ ምንቅጥቃጥ/ሻቅሎት ወይእውን ኣድረናሊን ዝብሃል ሆርሞን ናብ ሰራውር ደምና ክልቐቅ እንከሎ ። እዚ ሄርሞን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ግብረመልሲ ናይ ሰብነትና ካብ ግቡእ ንላዕሊ ክውስኽ ዝገብር እዩ ። ስለዚ ሓደ ሰብ ብፍላይ ኣሉታዊ ዝኾነ ስምዒት (ጭንቀት ፡ ፍርሒ ፡ ዓቅሊ ጽበት…ወዘተ) ኣብ ውሽጡ ክኽሰት ከሎ ቅድሚ ሓንጎሉ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምርድኡ ሰብነቱ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ግብረ-መልሲ ይህብ ። እዚ ድማ እቲ ሰብ ደሓን ከምዘየሎ ሰብነቱ ባዕሉ ምልክት ይህቦ ኣሎ ማለት እዩ! ኣብ ህይወተይ ስለ ዝተመኮርክዎ ምስ እዚ ሓሳብ እሰማማዕ እየ – ነቲ ሽዑ ኣብታ ህሞት ኣብ ህይወተይ ዝኸውን ዘሎ ነገር ከቕልበሉ ይደፍኣኒ።

ስምዒትካ ብግቡእ ክትገልጽ ምኽኣልካ መርኣያ ብሱልነትካ እዩ ። ልክዕ ከምቲ ናይ ሓቒ ቓል ዝብሎ ኣብ ምሳሌ 16፥32 “ ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ።” እዚ ሓሳብ ብግልጺ ከም ዝነግረና ስምዒትና ክንቆጻጸር ምኽኣል ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ እዩ። ስምዒትና ክንቆጻጸሮ እምበር ክቆጻጸረና ክንሓድጎ ከም ዘይብልና ። እዚ ካብ በልና እምበኣር ጎዳኢ ውሽጣዊ ስምዒት (ዘይጥዑይ ውሽጣዊ ድርኺት) ዘለዎም ሰባት’ከ መለለይኦም እንታይ እዩ ፧ ኣብ ገዛእርእስና ጀመርያ ከመይ ጌርና  ነለልዮ ቅድሚ ንኻልኦት ምርኣይና፧

  1. ካብቲ ኣውራ ጎዳኢ ስምዒታት ናይ ገዛእርእሱ ንምህዳም ሰባትን ኩነታትን ከም ምኽንያት ገይሩ ክጥቐመሎም ከሎ

እዚ ማለት ንናትና ድሌታት ባህ ከነብል ኢልና እንገብሮ ወይ ኣብ ሰባት ተቐባልነት ክንረክብ ኢልና እንገብሮ ። ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ኩነታት ተጠቂምና ነቲ ናይ ሓቒ ስምዒትና ክንፈትሖ ንፍትን ብኣንጻሩ ካብኡ ክንሃድምን ከነመሳምስን ከሎና ማለት እዩ።

  1. ኣሉታዊ ስምዒታት ዘበለ ኩሉ ዕሽሽ ዝብል ሰብ

ገዛእርእስና ባዶ ብዝኾነ ርእሰ-ተኣማንነት ክንምላእ ከሎና ፡ እዚ ብምግባርና ድማ እቲ ኣሉታዊ ስምዒት ብኡንብኡ ዝጠፍእ ክመስለና ከሎ ። ሓደ ሰብ ኣሉታዊ ስምዒቱ ሰብ እንታይ ክብሎ ወይ ከይፈርዶ ፈሪሑ ክዓብጦ ክንፍትን ከሎ ማለት እዩ።

  1. ሕሉፍ ህይወቱ ኣብ ናይ ሕጂ ህይወቱ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ጌሩ ንሕሉፍ ህይወቱ ዝኽሕዶ

ዝሓለፈ ታሪኽ  ቃንዛ ዝመልኦ ተዘክሮታት  ህይወትና ከምዘለዎ ክንድምስሶ ክንደሊ ከሎና ወይ ብኸምኡ ጽቡቅ ብምምናይ ጥራይ ዝቅየር ክመስለና ከሎ ። እቲ  እንኮ መንገዲ ሓደ ሰብ ኣብ ህልዊ ክነብር ዝኽእል ንሕሉፍ ህይወቱ ብምእማንን ብምፍዋስን  እዩ። ንቅድሚት ክንስጉም  እንተድኣ ኮይና ንሕሉፍና ብምዕራይ ጥራይ  እዩ ።

  1. ንካልኦት ሰባት ዝፈርድን ዝወቅስን

ግዜኦም ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት በደል ብምውጥዋጥን ምእራምን ዘሕልፉ ሰባት ንገዛእርእሶም ብኸምዚ ዓይነት ባህርይ እንዳታለሉ ዝነብሩ እዮም ። እንተድኣ ናይ ገዛእርእሰይ ጉድለት ከዐርይ ኢለ ተጸሚደ እንድሕር ኣለኹ ናትካ ጉድለት ክርእይን ክፈርድን ግዜ ኣይክህልወንን እዩ ። ”(ሳ.ገ.)

  1. ድኻሙ ውድቀቱ መስበርቱ ዝሓብእ ሰብ

ድኻምና ምሕባእ ፤ ኩሉ ህይወትና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘሎ  ጌርና ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንርአ ምድላይ ኩሉ ሰብ ዝምኮሮ ባህርይ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን ። ካልኦት ሰባት ድኻምና ክርእይሉና ዘይምድላይ ብሓጺሩ ናይ ሰብ ባህርይ እዩ ። እንተኾነ ግና ክንስሕቶ ዘይብልና ኩላትና ድኻም ዘሎና ፍጹማት ዘይኮና ኢና ። ኩሉ ሰብ ከማና ጎደሎ ዘለዎ ምዃኑ ምፍላጥ ኣብ ገዛእርእስና ኣተኲርና ክንጽዕር ይሕግዘና ። 

            ባህርይ ናይ ውሽጣዊ ድርኺቶም ዝገዝ ባት’ከ እንታይ ይመስል፧

  • ንስምዒቶም ይፈልጥዎ ፤ ብስሙ ኣለልዮም ድማ ክኣልይዎ ይፍትኑ
  • ገዛእርእሶም ብሓቂ ይምርምሩ’ሞ ናቶም ሓያል ጎድኖም ፣ ድኹም ጎድኖም ፣ ደረቶም ብልክዕ ፈሊጦም ምስ ካልኦት ሰባት ብሓርነት ገዛእርሶም ክገልጹ ድሕር ኣይብሉን
  • ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቶም ንቑሓት ጥራይ ዘይኮኑስ ኣብ ናይ ሕጂ ህይወቶም’ውን ከመይ ከም ዝጸልዎም ዘገድሶም እዮም
  • ንሰባት ከምኦም ክመስሉ ክቕይርዎም ከይፈተኑ እኳ’ድኣ እቶም ሰባት ከም ዘለዉዎም ዘኽብርዎምን ዘፍቕርዎምን እዮም
  • እቲ ዝደልይዎ ዝመርጽዎ ብግልጽን ብኣኽብሮትን ብቐጥታ ይሓቱ
  • ንስምዒቶምን ሓሳቦምን ብኸምኡ ብግልጽን ብኣኽብሮትን ይገልጹ
  • ምስ ሰባት ናይ ባዕሎም ተበግሶ ብምውሳድ ዝምድና ይፈጥሩን ይዕቕቡን
  • ንካልኦት ሰባት ብልግስን ብድንጋጸን ይሕግዙ
  • ምስ ሰባት ብስለት ብዘለዎ መንገዲ ንግርጭት ክፈትሕሉ ዘኽእሎም ዓቕሚ ይድልቡን ይመሃሩን ። ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ግርጭት መፍትሒ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው ክፈትሑ ይፍትኑ

ስለዚ እምበኣር ውሽጣዊ ስምዒታዊ ጥዕና ገዛእርስና ብምፍላጥን ገዛእርእስና ብምፍቓርን ይጅምር ። ካብዚ ተበጊስና ድማ ንኻልኦት ከነፍቕርን ከነኽብርን ይሕግዘና ። በዚ ምኽንያት ርእሰ-ንቕሓት (self-awareness) ምህላው  ንውሽጣዊ ድርኺትና ንምርዳእን ምሕላውን ይድግፈና ።

ሳሌም.ገ.

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!