ዘይንጡፍ ኣተሓሳስባ

ኣእምሮና ብብዙሕ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ሓሳባት ክምላእ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዝመጸና ሓሳባት: ኣየናይ እዩ ቅኑዕ ኣየናይ እዩ ዘይቅኑዕ ከነለልዮ ይግብኣና እዩ። ካብዚ ሓሳብ ብምብጋስ ሎሚ ብዛዕባ ዘይንጡፍ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ክንርኢ ኢና። ዘይምንጣፍ (ዘይምትጋህ) ኣንጻር ናይ ንቑሕ ምዃን እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ዘይንጡፍ ኣእምሮ (ኣተሓሳስባ )እንታይ እዩ፧ ዘይንጡፍ ኣእምሮ ማለት ንጡፍ ዘይኮነ፣ ስምዒት ኣልቦ፣ ዘይምግዳስ፣ ድልየት ዘምህላው፣ ስኑፍ ምዃን ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ኽመጽእ ከሎ እንተዘይ ኣለልይዎን ኣልይዎን ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ እዚ ነገር እዚ ተግባራዊ ኮይኑ ካብቲ ብትኽክል ክኾኖ ዝግብኦን ክነብሮ ዝግብኦን ክዕንቕፎ ብርግጽ ይኽእል እዩ።

ዘይንጡፍ (ንቑሕ ዘይኮነ) ኣተሕሳስባ ዘለዎ ሰብ ህይወቱ ብስምዒት እዩ ዝምራሕ። እዚ ማለት ጽቡቕ እንተተሰሚዕዎ ይገብር፡ ጽቡቅ እንተዘይተሰሚዕዎ ኣይገብርን፡ ክሕግዝ ባህ እንተሊዎ ይሕግዝ ባህ ኣይበሎን ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዝሕገዝ ኣይሕግዝን። እንተተሰሚዕዎ ይገብር። እንተዘይተሰምዖ ኣይገብርን። ስለዚ ኩሉ ዝገብሮ ኣብ ስምዒቱ ተመርኲሱ ይገብሮ እምበር ቅኑዕ ሰለ ዝኾነ ፈሊጡን ተማሂሩን ሰለ ዝኾነ ኣይኮነን። ሓደ ጥርሑን ዘይንጡፍን ዝኾነ ኣእምሮ ብቐሊሉ ብግጉይ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ክምላእ ይኽእል። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እቲ ሰብ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባትን ከም ቕቡልን ገይሩ ክወስዶ ይኽእል። እዚ ድማ ብቀጻሊ ብምትጋህን ብንሓስቦ ዘበለ ኩሉ ንቁሓት ብምዃንን ክንስዕሮ ንኽእል። ዘይንጡፍ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ምንም ስለዘይዓዪ ኩሉ ናቱ ነገር ቅኑዕ ይመስሎ። ብዛዕባ ጌጉኡ ብዝምልከት “እንታይ’ዶ ጌረ እየ” ይብል። እቲ ዝህቦ ምኽንያት ቅኑዕ እኳ እንተመሰለ ፡ እቲ ጠባዩ ግን ትኽክል ኣይኮነን። እዚ ሽግርዚ ድማ ምንም ስለዘይዓዪ እዩ ዝመጽእ።

ንዘይምንጣፍ ክትስዕረሉ ትኽእል ሜላ ሓደ ንኽትልወጥ ብምውሳን እዩ እዚ ማለት ነቲ ዘይንጡፍ ኣእምሮ ከይቀየርካ ንጠባይካ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ዝበሎ ንሓንቲ ዑፍ ብልዕሊ ርእስኻ ካብ ምንፋር ክትክልክላ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግና ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ሰፈር ካብ ምስራሕ ደው ከተብላ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ንኹሉ ኣብ ኣእምሮና ለይትን መዓልትን ዝመጽእ ሓሳባት ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን ኢና ግናኸ ኣብ ህይወትና ንቕድሚት ከይንስጉም ወይውን ባርያ ናይ ዘይንጡፍ ኣተሓሳስባ ከይንኸውን ግን ክንዓግቶ ንኽእል ኢና። 

ብዘይ ንጥፈት ኣተሓሳስባ ገለ ጽቡቕ ነገር ከጋጥመና ኮፍ ኢልና ስለ ዝተጸበናን ዝሃረፍናን ዝመጽእ ጽቡቕ ነገር የለን እንትርፎ ግዜ ምብኻን እንተዘይኮይኑ። ገለ ሰባት ብናይ ዓወት ካልኦት ይቐንኡ እሞ በዚ ድማ ነቲ ናቶም ህይወት ይልክዕዎ! ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ህይወት ንሶም’ውን ክዕወቱ  ከምዘይክእሉ ጌሮም ንነብሶም የእምንዋ። እቲ ሓቒ ግና ትጉህን ንጡፍን ኣእምሮ (ኣተሓሳስባ) እንተኣጥሪኻ ስምዒት ኣልቦ ኣይትኸውንን፣ ቅኑዕ ድሌት ዘለካ፣ ትጉህን እተፍርን ትኸውን። ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ትርከብ፡ ገዛእ ርእስኻ እናኣማዕበልካ ንኻልኦት ድማ ብጽቡቕ ነገር እትጸሉ ትኸውን።

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!