Tigrinya

ነብሰ ቅትለት

ብዓለምለኻዊ ደረጃ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-29 ዝኾኑ ሰባት ክኸውን’ከሎ ፣ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ልዕሊ 800,000 ዝኾኑ ሰባት ዓመታዊ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ ይግመት (ብመሰረት ጸብጻብ WHO) ። ኣብ ካናዳ ድማ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-24 ክኸውን’ከሎ ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 10-14 ዝኾኑ ህጻናት ነብሰ ቅትለት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ኣሎ (ብመሰረት መጽናዕቲ Children First Canada 2020)። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1 ካብ 5 መንእሰያት ገዛእርእሶም ክቐትሉ ከም ዝሓሰቡ ። እዚ ማለት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ኣብ ዓመት ማለት እዩ ! ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ!

ምድንዳንን ጽልዋኡን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና

ምድንዳን ማለት ሓደ ሰብ ኮነ ኢሉ ፈሊጡ ኣብ ካልእ ሰብ ኣካልዊ ፡ ኣፋዊ ከምኡ’ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ንምውራድ ብፍላጥ ዝግበሮ  እዩ ። እዚ ድማ ማህረምቲ ፡ ኮነ ኢልክካ ምድፋእ ፡ ምቑንጻብ ፡ ምፍርራሕን ጸርፊን የጠቃልል ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ሰብ ነቲ ዝድንድኖ ዘሎ ሰብ መታን ብካልኦት ክጽላእን ክንዓቅን ብዛዕባኡ ሓቂ ዘይኮነ ሕሜትን ዘረባን ብቃል ኣፉ …

ምድንዳንን ጽልዋኡን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬይታ

ኣብ ኣልበርታ ዝቕመጥ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ መሰረታዊ ቀረብ ፡ ገዛ ኽራይ ፡ ንቆልዑት ዝኸውን ናውቲ ሕገዝ ፣ ዝተፈላለየ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ዝኸውን ሓበሬታ ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ሓበሬታ ፡ ሓደሽቲ ናብ ካናዳ ዝመጹ ዘድልዮም ሓገዝ ፡ ንወለዲ ይኾን ንዝተጸገመ ዝኣልዩ ዝኸውን ሓበሬታ … ወዘተ 2-1-1 ብምድዋል ወይ ab.211.ca ናይ ሓበሬታ ገጽ ብምኻድ …

ኣገዳሲ ሓበሬይታ Read More »

ፈውሲ ውሽጣዊ – ድርኺት

ደቂ-ሰባት ብምስሊ ኣምላኽ ብኹሉ ምሉኣት ኮይና ዝተፈጠርና ኢና። ማለት ሰብኣዊነትና መንፈሳዊነትና ፡ ማሕበራዊነትና ውሽጣዊ ድርኺትናን ተገንዝቦኣዊ ፍልጠትናን ዘጠቃለለ እዩ። ንሓደ ክፋል መንነትና ኣኽቢርና ነቲ ሓደ ሸለል ክንብል ኣይግብኣናን ። እዚ ኹሉ ውሽጣዊ  ውቓቤና ህይወት ሰዂዑ ብግቡእ ክዓይይ ከሎ ሽዑ ብኹሉ ምሉኣትን ህያዋንን ጥዑያትን ፍጥረት ኣምላኽ ኮይንና ንመላለስ።

እስኻ ስምዒትካ ኣይኮንካን !

ሓደ ካብቲ ንገዛእርእስና ኩሉ ግዜ ከነዘክራ ዘሎና ነገር ስምዒትና መንነትና ከምዘይኮነ እዩ ። እሬንዮስ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብ 1ይ ክፍለ ዘመን ናይ ቤ/ክ ኣቦታት ዝኾነ ከምዚ ኢሉ “ ክብሪ እ/ር ‘ሲ ሓደ ብኹለንታናኡ ህያው ኮይኑ ዝነብር ሰብ እዩ ።”  ንሕና ከም ደቅሰባት ምስሊ ኣምላኽ እንጸውርን እነንጸባርቕን ኢና ። ስለዚ ንውሽጣዊ ድርኺታትና ጥዕና ብዘለዎ መገዲ ክንገልጾ …

እስኻ ስምዒትካ ኣይኮንካን ! Read More »

ውሽጣዊ -ድርኺት

ውሽጣዊ ድርኺት   ስምዒትካ ይስምዓካ’ዶ ወይስ የስምዓካ ኣሎ፧ ውሽጣዊ ድር’ኺታት (ስምዒታት) ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ክፋል ሰብነትና እዮም። ውሽጣዊ ድር’ኺት (ስምዒት) ሰብ ናይ ምዃንኳ ምልክት እዩ። ስምዒት ( ኣእምሮኣዊ ዘይኮነ ውሽጣዊ ድፍኢት) ኣብ ውሽጥኻ ትምኮሮ ኮይኑ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጥሓ ዝተሰምዓካ ብዝተፈለላለየ ደግኣዊ መንገዲ ክትገልጾ ከለኻ እዩ። ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሰብ ብዘይ …

ውሽጣዊ -ድርኺት Read More »

ዓሌታዊነት ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናትን መንእሰያትን

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ዓሌትን ምስኡ ዝተተሓሓዘን እንተወሓደ ከም መጀመሪ ዘረባ ምስ ደቕና ዝኾነና ሓሳባት ርእይና ኔርና (እንድሕር ኣይነበብካያን ናይ ዝሓለፈ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል)። ንሎሚ ጽልዋ ኣፈላላይን ዓሌታዊነትን ኣብ ጥዕና ቆልዑትን መንእሰያትን ብሓፈሻ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና (mental health) ዘምጽኦ ጽልዋ/ሳዕቤን ብኸፊል ክንርእይ ኢና። ሰናይ ንባብ… መቸም ኩላትና ካብ መበቖል ዓድና …

ዓሌታዊነት ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናትን መንእሰያትን Read More »

error: Content is protected !!