ምብርታዕ

ነብሰ ቅትለት

ብዓለምለኻዊ ደረጃ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-29 ዝኾኑ ሰባት ክኸውን’ከሎ ፣ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ልዕሊ 800,000 ዝኾኑ ሰባት ዓመታዊ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ ይግመት (ብመሰረት ጸብጻብ WHO) ። ኣብ ካናዳ ድማ ነብሰ ቅትለት ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 15-24 ክኸውን’ከሎ ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 10-14 ዝኾኑ ህጻናት ነብሰ ቅትለት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ኣሎ (ብመሰረት መጽናዕቲ Children First Canada 2020)። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1 ካብ 5 መንእሰያት ገዛእርእሶም ክቐትሉ ከም ዝሓሰቡ ። እዚ ማለት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ኣብ ዓመት ማለት እዩ ! ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ!

ተንስኢ

ክብርቲ ዑንቒ ኢኺ ብዕላማ ንዕላማ ኢኺ ተፈጢርኪ ንስኺ ብቕዕቲ ንስኺ እኽልቲ ንስኺ ተደንቒ ንስኺ ግርምቲ ኢኺ ከምኡ ኾንኪ ብፈጣሪኺ ተፈጢርኪ ፈጣሪኺ ጥራይ እዩ መን ምኻንኪ ክነግረኪ ዝኽእል ዕላማ ኣምላኽ ከተፈጽሚ ኣብዛ ምድሪ ብምስሉ ንኽብሩ ዝደኮነኪ ስለዚ ነቲ ዝፈጠረኪ ፍለጥዮ ተንስኢ! ንስኺ ብምትንሳእኪ ካልኦት ክትንስኣ እየን! ሳ.ገ.

error: Content is protected !!