ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ኣየናይ’ዩ ሓቒ ኣየናይ’ዩ ፈጠራ ፧
ንቅሓት ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት
ኣብ ኣልበርታ ዝቕመጥ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ መሰረታዊ ቀረብ ፡ ገዛ ኽራይ ፡ ንቆልዑት ዝኸውን ናውቲ ሕገዝ ፣ ዝተፈላለየ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ዝኸውን ሓበሬታ ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ሓበሬታ ፡ ሓደሽቲ ናብ ካናዳ ዝመጹ ዘድልዮም ሓገዝ ፡ ንወለዲ ይኾን ንዝተጸገመ ዝኣልዩ ዝኸውን ሓበሬታ … ወዘተ 2-1-1 ብምድዋል ወይ ab.211.ca ናይ ሓበሬታ ገጽ ብምኻድ …
ደቂ-ሰባት ብምስሊ ኣምላኽ ብኹሉ ምሉኣት ኮይና ዝተፈጠርና ኢና። ማለት ሰብኣዊነትና መንፈሳዊነትና ፡ ማሕበራዊነትና ውሽጣዊ ድርኺትናን ተገንዝቦኣዊ ፍልጠትናን ዘጠቃለለ እዩ። ንሓደ ክፋል መንነትና ኣኽቢርና ነቲ ሓደ ሸለል ክንብል ኣይግብኣናን ። እዚ ኹሉ ውሽጣዊ ውቓቤና ህይወት ሰዂዑ ብግቡእ ክዓይይ ከሎ ሽዑ ብኹሉ ምሉኣትን ህያዋንን ጥዑያትን ፍጥረት ኣምላኽ ኮይንና ንመላለስ።
ሓደ ካብቲ ንገዛእርእስና ኩሉ ግዜ ከነዘክራ ዘሎና ነገር ስምዒትና መንነትና ከምዘይኮነ እዩ ። እሬንዮስ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብ 1ይ ክፍለ ዘመን ናይ ቤ/ክ ኣቦታት ዝኾነ ከምዚ ኢሉ “ ክብሪ እ/ር ‘ሲ ሓደ ብኹለንታናኡ ህያው ኮይኑ ዝነብር ሰብ እዩ ።” ንሕና ከም ደቅሰባት ምስሊ ኣምላኽ እንጸውርን እነንጸባርቕን ኢና ። ስለዚ ንውሽጣዊ ድርኺታትና ጥዕና ብዘለዎ መገዲ ክንገልጾ …
ውሽጣዊ ድርኺት ስምዒትካ ይስምዓካ’ዶ ወይስ የስምዓካ ኣሎ፧ ውሽጣዊ ድር’ኺታት (ስምዒታት) ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ክፋል ሰብነትና እዮም። ውሽጣዊ ድር’ኺት (ስምዒት) ሰብ ናይ ምዃንኳ ምልክት እዩ። ስምዒት ( ኣእምሮኣዊ ዘይኮነ ውሽጣዊ ድፍኢት) ኣብ ውሽጥኻ ትምኮሮ ኮይኑ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጥሓ ዝተሰምዓካ ብዝተፈለላለየ ደግኣዊ መንገዲ ክትገልጾ ከለኻ እዩ። ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሰብ ብዘይ …
ሰብ ካብ ካልእ ፍጥረት ዝፍለየሉ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ክሓስብን ከመዛዝንን ምኽኣሉ እዩ። “ሰብ ከምቲ ብልቡ ዝሓስቦ ከምኡ እዩ” ዝበሃል ሓቒ ዝኾነ ኣዘራርባ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ እንተሓሲብና እቲ ንርእዮን ንገብሮን ድማ ብኡኡ መጠን ጽቡቕ ይኸውን። ብኣንጻሩ ድማ ኣተሓሳስባና ኣሉታዊ እንተ ኾይኑ ኩሉ ንገብሮን ንብሎን ድማ ኣሉታዊ ይኸውን ። ልክዕ ከምቲ ካብ ሕጊ ስሕበት ተፈጥሮ ከነምልጥ …
ሰብ ክገብሮ ኢሉ ዝሓስቦን ዝውጥኖን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ካብ ዝሓስቦ ሓሳብ እዩ ዝጅምር። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ጽቡቅ ዝሓስብ ሰብ ኩሉ ግዜ ጽቡቅ ክገብር እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ሕማቕ ዝሓስብን ዝርእን ሰብ ድማ ኩሉ ግዜ እቲ ዝገብሮ ተግባራት ዘይሃንጽ ይኸውን። እንታይ እየ ክብል ደልየ፧ ሰብ እቲ ዝሓስቦ እዩ ዝኾኖ። ዝኾነ ሰብ ካብቲ ዝሓስቦ …
ኣእምሮና ብብዙሕ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ሓሳባት ክምላእ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዝመጸና ሓሳባት: ኣየናይ እዩ ቅኑዕ ኣየናይ እዩ ዘይቅኑዕ ከነለልዮ ይግብኣና እዩ። ካብዚ ሓሳብ ብምብጋስ ሎሚ ብዛዕባ ዘይንጡፍ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ክንርኢ ኢና። ዘይምንጣፍ (ዘይምትጋህ) ኣንጻር ናይ ንቑሕ ምዃን እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ዘይንጡፍ ኣእምሮ (ኣተሓሳስባ )እንታይ እዩ፧ ዘይንጡፍ ኣእምሮ ማለት ንጡፍ ዘይኮነ፣ ስምዒት …
ከምቲ እንሓስቦ ከምኡ ኢና ንኸውን። ኣብ ኣእምሮና እንሓስቦ ሓሳባት ኣብ ህይወትና ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ማለት ወይ ንቕድሚት ይደፍኣና ወይ ንድሕሪት ክንጥምት ይገብረና ወይ’ውን ኣብ ዘለናዮ ደው ኢልና ክንተርፍ ይገብረና። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ህይወትና ኮነ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ወይ’ውን ብዛዕባ ነገራትን ኩነታትን ሕማቅ ዝኾነ ኣጠማምታን ኣረኣእያን ክህልወና ዝገብር እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ውጽኢት ናይ …
ቅድሚ ነዚ ሕቶ ምምላስና – ኣየናይ እዩ ንቡር ኣተሓሳስባ ኣየናይ’ዩኸ ዘይንቡር ኣተሕሳስባ ንዛረብ። ንቡር ኣተሓሳስባ ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ይኹን ካልኦት ትኽክልን ጥዑይን ክትሓስብ ከለኻ ማለት እዩ። ዘይንቡር ኣተሕሳስባ ብኣንጻሩ ከኣ ኣእምሮኻ ኣሉታዊ ፥ ጥምዙዝ ፡ ዘይቅኑዕን ዘይጠቅምን ሓሳባት ከሰላስል ከሎ ማለት እዩ። በዚ ዓይነት ሓሳብ ዝተታሕዘ ኣእምሮ ዘይንቡር ኣእምሮ ይበሃል። እቲ ንቡር ኣተሓሳስባ …