ቤተሰብ

ምድንዳንን ጽልዋኡን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና

ምድንዳን ማለት ሓደ ሰብ ኮነ ኢሉ ፈሊጡ ኣብ ካልእ ሰብ ኣካልዊ ፡ ኣፋዊ ከምኡ’ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ንምውራድ ብፍላጥ ዝግበሮ  እዩ ። እዚ ድማ ማህረምቲ ፡ ኮነ ኢልክካ ምድፋእ ፡ ምቑንጻብ ፡ ምፍርራሕን ጸርፊን የጠቃልል ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ሰብ ነቲ ዝድንድኖ ዘሎ ሰብ መታን ብካልኦት ክጽላእን ክንዓቅን ብዛዕባኡ ሓቂ ዘይኮነ ሕሜትን ዘረባን ብቃል ኣፉ …

ምድንዳንን ጽልዋኡን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና Read More »

ዓሌታዊነት ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናትን መንእሰያትን

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ዓሌትን ምስኡ ዝተተሓሓዘን እንተወሓደ ከም መጀመሪ ዘረባ ምስ ደቕና ዝኾነና ሓሳባት ርእይና ኔርና (እንድሕር ኣይነበብካያን ናይ ዝሓለፈ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል)። ንሎሚ ጽልዋ ኣፈላላይን ዓሌታዊነትን ኣብ ጥዕና ቆልዑትን መንእሰያትን ብሓፈሻ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና (mental health) ዘምጽኦ ጽልዋ/ሳዕቤን ብኸፊል ክንርእይ ኢና። ሰናይ ንባብ… መቸም ኩላትና ካብ መበቖል ዓድና …

ዓሌታዊነት ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናትን መንእሰያትን Read More »

ብዛዕባ ዓሌት ፣ ዓሌታዊነት – ከመይ ጌርካ ምስ ውሉድካ ዝርርብ ትጅምር፧ (1ይ ክፋል)

ምንባር ክሳብ ዝሃለወ ሰብ ብኣብ ከባቢኡ ዝኸውን ኩነታትን ፍጻሜታትን  ክንጽሎው ንቡር ኢዩ። ብፍላይ ድማ ከም ኣብ ስደትን ካልእ ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ሃገር ከም እንነብር መጠን – ኣብ ስደት ዝተወልዱ ይኹኑ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም መጺኦም ኣብዚ ዝዓበዩ ቆልዑትን መንእሰያትን – ዓሌታዊነትን ኣፈላላይን ኣብ ቤት ትምህርቶም ፥ ዝነብርዎ ከባቢኦም ኮነ ካብ  የዕሩኽቶም  ገጢምዎም ወይ ተሞኪሮሞ ክፈልጡ ይኽእሉ …

ብዛዕባ ዓሌት ፣ ዓሌታዊነት – ከመይ ጌርካ ምስ ውሉድካ ዝርርብ ትጅምር፧ (1ይ ክፋል) Read More »

ቅየሳ ኣመዓባብላ ሓንጎል

ብመሰረት ምዕባለ ስነፍልጠት እቲ ዝዓበየን ቀንድን ክፋል ናይ ሓንጎል ኣብ ግዜ ቁልዕነት ብፍላይ ድማ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወት ከም ዝምዕብልን፡ ዝህነጽን ከምኡ’ውን ድልዱል መሰረታዊ ቅርጺ ሽዑ ከም ዝሕዝን እዩ። ኣብ ግዜ ቁልዕነት ንምኮሮ ተመኩሮን ንሓልፎ መንገድታትን ዘበለ ኩሉ  ኣዝዩ ዓብይ ጽልዋን ተራን ኣብ ምምዕባል ሓንጎል ከም ዘለዎ’ኸ  ትፈልጡ’ዶ፧  እዚ ድማ ንናይ ሓጎል መሰረት ቅርጺ …

ቅየሳ ኣመዓባብላ ሓንጎል Read More »

ተገንዝቦኣዊ ፣ ማሕበራዊ ፣ ስምዒታዊን ኣካላዊን ምዕባለ ሓንጎል

ቅድሚ ሕጂ ሓደ ህጻን ክዓብይ ከሎ እቲ ተገንዝቦኣዊ ፍልጠቱ፣ ኣካላዊ ዕቤቱ ምስ ካልኦት ሰባትን ከባቢኡን ዘለዎ ርክባት ኣብ በበይኑ እዋናት ይምዕብል ዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ። ሓደ ሓኪም ናይ ህጻን’ውን ነዚአን ክፍልታት ፈላልዩ እዩ ዝምርምረን ነይሩ። ማለት ኩሉ ናይቲ ህጻን ስምዒታት ኣመዓባብላኡ ፡ ማሕበራዊ ዝምድንኡ ከምኡ’ውን ኣካላዊ ዕቤቱ ከመይ ይዓብይ ከም ዘሎ ክርኢ ። እንተኾነ ግና …

ተገንዝቦኣዊ ፣ ማሕበራዊ ፣ ስምዒታዊን ኣካላዊን ምዕባለ ሓንጎል Read More »

ትምኮሮ ተመኩሮ ኣብ ጽልዋ ዝዓብይ ሓንጎል

ሓንጎልን ክእለትን ምስ ግዜ እናማዕበለን እናዓበየን ዝኸይድ እዩ። ስለዚ ናይ ሓደ ዝዓቢ ቖልዓ ኣእምሮ ብግቡእ ክምዕብል ግዜ ይወስደሉ። ኣብዚ መስርሕ እዚ’ከሎ እውን ብቀሊሉ ክጽሎ ኣዝዩ ዓብዪ ተኽእሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብዚ ግዜ መስርሕ ዘሎ ሓንጎል ልክዕ ከም ሓደ ፕላስቲክ ናብ ዝመጠጥካዮ ክምጠጥ(ክልወጥ) ስለ ዝኽእል። ስለዚ እቶም ቀዳሞት ዓመታት ናይ ሓደ ህጻን – ሓንጎሉ ብግቡእ ክዓብይ ኣዝዮም …

ትምኮሮ ተመኩሮ ኣብ ጽልዋ ዝዓብይ ሓንጎል Read More »

ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ንውሉድካ ከመይ ዓይነት ምላሽ ትህብ

ቆልዑትን መንእሰያትን ብከፊል ካብ ዓበይትን ከባቢኦምን ብዝርእይዎ ግብረመልሲ ንኹነታት፥ እሶም ድማ ከምኡ ዓይነት ምላሽ ይህቡ። ከም ኣብነት በዚ ዘሎ እዋናዊ ክስተት  ኮቪድ-19 ግብረመልስና ዝተረጋግአ ምስ ዝኸውን፣ ንሕና ተዳሊና ንዕኦም’ውን ከነዳልዎምን ከነህዶምን ንኽእል። ከም ውጽኢቱ ድማ እሶም ኣሰር እቲ ንገብሮን ንብሎን ይስዕቡ። ብፍላይ ድማ ሕጂ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝተዓጽወሉ ግዜ ደገ ክወጽኡ ዘይክእልሉ፡ ኣብ ገዛ ጥራይ ተዓጽዮም …

ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ንውሉድካ ከመይ ዓይነት ምላሽ ትህብ Read More »

error: Content is protected !!