ትምኮሮ ተመኩሮ ኣብ ጽልዋ ዝዓብይ ሓንጎል

experiences

ሓንጎልን ክእለትን ምስ ግዜ እናማዕበለን እናዓበየን ዝኸይድ እዩ። ስለዚ ናይ ሓደ ዝዓቢ ቖልዓ ኣእምሮ ብግቡእ ክምዕብል ግዜ ይወስደሉ። ኣብዚ መስርሕ እዚ’ከሎ እውን ብቀሊሉ ክጽሎ ኣዝዩ ዓብዪ ተኽእሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብዚ ግዜ መስርሕ ዘሎ ሓንጎል ልክዕ ከም ሓደ ፕላስቲክ ናብ ዝመጠጥካዮ ክምጠጥ(ክልወጥ) ስለ ዝኽእል። ስለዚ እቶም ቀዳሞት ዓመታት ናይ ሓደ ህጻን – ሓንጎሉ ብግቡእ ክዓብይ ኣዝዮም ኣገደስትን ተኣፈፍትን እዋናት እዮም ። ምኽንያቱ እቲ ህጻን በዚ ግዜ’ዚ ዝምኮሮ ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ተመኩሮ ምስ ናቱ ውርሻ (gene) ባህሪ ዜመሓላልፍ ኣሃዱ ተተሓሒዙ  ነቲ ናይ ሓንጎሉ ምዕባለን መሰረታዊ  ቅየሳ(architecture) ቅርጽን ኣዝዩ ክጸልዎን ክቕይሮን ተኽእሎ ኣለዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ሓንጎል እንዳዓበየ ክኸይድ ከሎ እቲ ዓይነት ቅየሳ መሰረት ናይቲ ሓንጎል  ኣዝዩ ጥዑይን ድልዱልን ወይ ድማ ብኣንጻሩ ኣዝዩ ድኹም መሰረት ዘለዎ ይኸውን’ሞ ነቲ ኩሉ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ናይ ምምሃር ክእለት ኮነ ናይ ባህሪ ምጥራይን ስምዒት ምቁጽጻርን ዓቕሚ ናይቲ ህጻን ይጸልዎ። ዝተፈላለየ ክፍሊ ናይ ሓንጎል ነናቱ ዝኾነ ዝተፈላለየ ስራሕ ኣለዎ ፡ ንኣብነት ምርኣይ ፡ ምስማዕ ፡ ምዝካር ወዘተ። እዞም ክፍልታት በበቲ ዝተመደበሎም ግዜ ይዓብዩን ስርሖም ይሰርሑን።ብኸምዚ መልክዕ እውን ክንርዮ ንኽእል – እቶም ዝተፈላለዩ መትንታት መራኸቢ መስመር (neural circuits) ናይ ሓንጎል እንዳተፈጥሩን እንዳተተሓሓዙን ክኸዱ ከለዉ ማዕረማዕሪኡ ድማ ነቲ ዘየድሊ ክፍሊ እናጸንጸሉ ኣብተን መጀመርታ ዓመታት የወግድዎ። እዚ ምትሕሓዝ ቅድሚ ምውላድ ዝጅምር ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ህይወት ድማ ገሊኡ ይጽልጸል ፡ በዚ ምኽንያት እዩ’ምበኣር ሓደ ህጻን ምስ ተወልደ ብኣጋኡ ናይ ምርኣይን ምስማዕን ህዋሳቱ ዝምርመር ምኽንያቱ  እቲ ምዕራይ ዘድልዮ ብኣጋኡ መታን ክዕረ ። ቋንቋ ናይ ምምዕባልን ምምሃርን እንተርኢና’ውን ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ሓደ ህጻን ቋንቋ ክመሃርን ክፈልጥን ኣዝዩ ይቀልል፡ ብፍላይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘሎ ግዜ ፡፡ ብድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን እናኸበደ ይመጽእ። እዚ ማለት ሓድሽ ቋንቋ ክመሃር ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን ። ምስ ዓበና እንተኾነ’ውን ክንምሃር ንኽእል ኢና የግዳስ እቲ ንጽዕሮ ጻዕሪ ይበዝሕ ። ልክዕ ከምቲ  ሓደ ህጻን ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወይ ትሕቲኡ ከሎ ቀልጢፉ ነቲ ቋንቋ ዝመልኮን ከም ድላዩ ክዛረበሉን ክተዓጻጸፈሉን ዝኽእል ደረጃ ክትመጽእ ግን ኣይትኽልን ኢኻ ፡  ምኽንያቱ ንዕኡ ዝሕግዙ መትንታት ሓንጎልካ ብኣግኡ  ማዕቢሎም ቦትኦም ስለ ዝሓዙ ። እቲ ጽቡቕ ጎኑ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለን ዝተሓላለኸን ናይ ፍልጠትን ተገንዝቦኣዊ ክፍልን ናይ ሓንጎል ኣዝዩ ቀሰ እንዳበለ ይዓቢ ከምኡ’ውን ዝጽልጸል እንተሎ ቀስ እንዳበለ እቲ መስርሕ ይቅጽል ። እንታይ ማለት’ዩ እዚ፧  ሓደ ሰብ ብሱልን ዝማዕበለን ሓንጎል ዝህልዎ ከባቢ 25 ዕድመ ክበጽሕ ከሎ እዩ – መጽናዕቲ ከም ዝሕብረና። ስለዚ ቅድሚኡ ዘሎ ዓመታት ኩሉ ተስፋ ኣሎ ንምዕራይን ንምልዋጥን ። ሽሕ’ኳ እቲ ኹሉ ናይ ቁልዕነት ግዜኡን ክሳብ ወዲ 25 ዓመት ዝበጽሕን ዘሎ ኣገዳሲ እንተኾነ ፡ እተን መጀመርታ ቀዳሞት ዓመታት ግና ኣዝየን ሕልፍ ብዝበለ ኣገደስቲ እየን!

ኣብ ግዜ ምውላድ – ሓልጎል ናይ ሓደ ህጻን ምስ ብቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ መትንታት (neurons) ይውለድ፡ ብድሕሪ’ዚ ካልእ መትንታት  ብኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ኣይውስኽን ኢዩ ፡  እንታይ ድኣ ኣብ መንጎ እዞም መትንታት (neurons) ዘሎ ምግጥጣም/ምልግጋብን ኣብ ነንሓድሕዶም እናወሰኸን እናዓበየን ጥራይ’ዩ ዝኸይድ።ኣብተን ዝቅጽላ ሰለስተ ዓመታት ህይወት ድሕሪ ምውላድ ፡  እዞም መትንታት ናይ ሓንጎል እንዳተገጣጠሙ ይዓብዩ ፡ እዚ ግን ገለ ክፋል ናይ ሓንጎል ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ወርሓት ናይ ህይወት ሽዑ ንሽዑ ክዓብይ ከሎ ፡ ገለ ካልእ ክፋላት ድማ ግዜ ይወስድ። እዚ ማለት ምስ ዕድመ እቲ ምልግጋብ እንዳጎደለ ይመጽእ ፡ እዚ ማለት ወዲ 3ዓመት ከለኻ ዝነበረካ ብዝሒ ናይ መትንታት ምውህሃድን ምግጥጣምን ወዲ 15 ምስ  ኮንካ ይጎድል ። እዚ ማለት ግና ወዲ 3ዓመት ካብ ወዲ 15 ዓመት ኣዝዩ ይበልሕ/ይነፍዕን ማለት ግን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ከመይ ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ንምኮሮም ተመኩሮታት ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝዓቢ ሓንጎል ከም ዝጸልዎ እዩ ዘርኢ። ዋህዮታት ናይ ገዛእ ርሶም ዝኾነ ውሽጣዊ ፍሉይ ባህሪ ኣለዎም ነንሓድሕዶም ክለጋገቡ ዝገብሮም ፡ ኣብዚ እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ነገር እቶም ብቀጻሊ ዝተሓሓዙን ዝለጋገቡን ዋህዮታት እናደልደሉን ኣብ በቦትኦም እናተተኽሉን ክኸዱ ከለዉ ፡ እቶም ብዙሕ ዘይለጋገቡን ዘይተጠቀምናሎምን ድማ እናጠፍኡ ይኸዱ። እዚ ድማ ኣብ መወዳእትኡ ብዕድመ እናወሰኽና ክንከይድ ከለና እኹልን ዝማዕበለን ዓቅሚ ዘለዎ ሓንጎል ሒዝና ክንተርፍ ይገብረና ። ብተደጋጋሚ ትጥቀመሉ መተሓላለፊ መስመር  ኣዝዩ እናተተሓሓዘን ውጽኢታዊ እንዳኾነን ይኸይድ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብቲ ትገብሮ ስራሕ ኣድማዒ እንዳኾንካ ትኸይድ ። ልክዕ በዚ ኸምዚ መንገዲ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ንእስነትና ንለማመዶን ንምኮሮን ተመኩሮታት  ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ሓንጎል እንዳጸለዎ ዝኸይድ።

በዚ ኸምዚ ኣብነት ንርኣዮ – ክልተ ንኣሽቱ ኣብ ሓደ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑት ንመልከት ። እቲ ቀዳማይ ቆልዓ ወለዱ ወይ ድማ እቲ ነቲ ህጻን ሓላፍነት ወሲዱ ዘዕብዮን ዝከናኸኖን ሰብ ምስኡ ብሉጽ ግዜ ዘሕልፍ እንተኾይኑ ፥ እዚ ማለት ምስቲ ህጻን ብሓባር መጽሓፍ ብምንባብ ፡ ብግቡእ ብምዝርራብ፡ ናይቲ ህጻን ስምዒት ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ብግቡእ ስምዒቱ ክገልጽ እንዳመሃረን እንዳኣርኣየን ከምኡ’ውን ግቡእ ኣተኩሮ ነቲ ህጻን እንዳሃበ ምስኡ ግዜ ዘሕልፍን ዘዕብዮን እንተድኣ ኮይኑ – እዚ ምልክት ናይ ሓደ “እንካን ሃባን” ምቅብባል ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን የርኢ። ኣብዚ ኣየናይ ክፍሊ ናይ ሓንጎል መትንታት መስመር (neural circuit) ተጠቂሙ እንተድኣ ኢልና ነዚ ዝስዕብ ንረክብ – መትንታት መስመር ምንባብ ፡ምዝራብ፡ ምትሕብባር፡ ምሕሳብ ከምኡ’ውን ኣተኩሮ ምግባር፣ እዚ ኩሉ ክፍሊ ናይ ሓንጎል ተጠቂምሉ ማለት እዩ ፡ ብመጠን ዝተጠቅመሉ ብዝሒ ድማ እቲ ናይ ሓንጎሉ መትንታትን ዋህዮታትን እንዳተለጋገበ ኣብ ህይወት ናይቲ ህጻን እንዳተሰረተን ይዓብይ። ናይቲ ካልኣይ ህጻን’ከ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዕድልን ግዜን ምስቶም ዘዕብይዎ ሰባት እንተዘይረኺቡ ሓንጎሉ እንታይ ይኸውን፧ ሓንጎሉ ልክዕ ከምቲ ናይቲ ሓደ ህጻን ክዓብይ እዩ። እቲ ናቱ መትንታት እንዳተለጋገበ ከም ምዕባዩ ክዓብይ እዩ ፥ እንተኾነ ግና ካብቲ ናይቲ ቀዳማይ ህጻን ዝፈልዮ ናይዚ ሓንጎል ዝተፈልየ መትንታት መስመር (neural circuit) ምጥቃሙ እዩ ። እዚ ማለት እቲ ካልኣይ ህጻን ካብ ወለዱ ኣተኩሮ ክደሊ ከሎ ክበኪ፡ ክሓርቅ ወይ’ውን ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ጠባይ ከርእይ ይጅምር መታን ኣተኩሮ ናይ ወለዱ ክረክብ – ከመይ ጌሩ እቲ ዝደልዮ ከም ዝረክብ ይፈልጥ እዩ ዋላ እኳ ብዘይግቡእ መንገዲ ይኹን። ናይዚ ካልኣይ ህጻን ልክዕ ከምቲ ናይቲ ቀዳማይ ህጻን እቲ ናቱ መራኸቢ መትንታት ናይ ሓንጎሉ ዝማዕበለ እዩ፣ እንተኾነ ግን ከምዚኦም ዓይነት መትንታት መስመር (neural circuit) ኣይኮነን እቲ ህጻን ዘድልይዎ እንድሕር ኣዝዩ ዝማዕበለን ዝተሓላለኸን ሽግራት ክፈትሕ፣ ናቱ ኣተሓሳስባን ተበላሓትነትን ኣፈታትሓ ሽግርን ክኽእልን ከማዕብልን እንተኾይኑ። ስለዚ እዚ ካልኣይ ህጻን ካብቲ ቀዳማይ ህጻን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጥቅሱ ብልጫታት ክጎድልዎ እዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ናቱ ሓንጎሉ ሽግር ሃልይዎ ኮይኑ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ እቲ ካልእ/ዝተፈልየ ክፍሊ ናይ ሓንጎሉ መትንታት መራኸቢ ስለ ዘሐየለ እሞ ኸኣ ንሳቶም ምስኡ ከም ቀለም ተሰሚሮም ስለ ዝዓብዩ እዩ።

ናይ ሓደ ህጻን ተመኩሮ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ህይወቱ ንዕድሚኡ ምሉእ ዝኸውን ጽልዋ ኣለዎ ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይቲ ህጻን ቅየሳ ኣመዓባብላ ሓንጎሉ ። ሓረጋዊ ዘርኢ (ውርሻ) ዘመሓላልፍ ኣሃዱ ስእላዊ ማሕተም ናይ ሓደ ሰብ ክህብ ከሎ፣ እቲ ብኣጋኡ ዝምኮሮ ተመኩሮታት ድማ ኣብ መሰረት መጻኢ ህይወቱ ናይ ምምሃር ክእለቱ ፡ ጠባይ (ባህሪ) ናይ ምምዕባል ዓቅሙ ከምኡ’ውን  ጥዑይ ሰብ ናይ ምዃን ተኽእሎኡ ኣዝዩ ይጸልዎ። ኣብዚ ኣገዳሲ ናይ ሓንጎል ምዕባለ እዋን ፣ ብብልዮናት ዝቁጸሩ ናይ ሓንጎል ዋህዮታት ኣብ ንሓድሕዶም ርክብ ይሰዱ። እዚ ርክብ እዚ ዑደት(መስመር) ቐንዲ መሰረት ናይ ሓንጎል ቕየሳ ቅርጺ ዝኾነ ይፈጥር። እዞም መስመራትን ርክባትን ብዝተዓጻጸፈ ፍጥነት እንዳተራብሑ ይኸዱ ከምኡ’ውን እቲ ህጻን ብዝተጠቀመሎም ቁጽሪ ሱር እንዳሰደዱን እንዳደልደሉን ይኸዱ። ዝምኮሮም ተመኩሮታትን ከባቢኡን – ኣየናይ ክፍሊ መስመር  ሓንጎሉ  እንዳማዕበለ ከም ዝኸይድ ይጸልውዎ ። እቲ ኩሉ ሳዕ ብተደጋጋሚ  ዝጥቀመሉ ክፍሊ መስመር ሓንጎል እናደልደለን ቀዋሚ እንዳኾነን ክኸይድ ከሎ ፡ እቲ ብዙሕ ዘይጥቀመሉ ከኣ  እንዳተጸንጸለ ይኸይድ። መጀመርታ ቀለልቲ ዝኾኑ መስመራት ይፍጠሩ፡ እዞም መስመራት እዚኦም ድማ ነቶም ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ብዙሕ ክፋላት ዝሓዙን መስመራት ኣብ ልዕሊኦም ክስረቱ ባይታ የንጽፍሎም። እዞም መስመራት መራኸቢ ዋላ’ኳ ካብ ሓደ ክፍሊ ሓንጎል ይመንጭዉ ምስቶም ካልኦት ክፋላት ግና ኣዝዮም ዝተተሓሓዙ እዮም። ልክዕ ከምቲ ሓደ ክእለት ብዘይ ናይ ካልእ ደገፍ ደው ክብል ዘይክእል። ወይ’ውን ሓደ ገዛ ክስራሕ ከሎ ኩሉ ክፍልታት ናይቲ ህንጻ ኣብ ነንሓድሕዱ እናተተሓሓዘ ዝህነጽን ደው ዝብልን፡ ልክዕ ከምኡ ድማ ሓደ ክፍሊ ናይ ሓንጎል ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እንዳተተሓሓዘን ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ካልእ ክፍልን ባይታ እንዳ ኣንጸፈሉ ከም ዝኸይድ ማለት እዩ።

እዚ ኹሉ እንታይ ንምባል እዩ ፧ ቕየሳ(ንድፊ) ናይ ሓንጎልና በቶም ኣብ ግዜ ንእስነትና ምስ ወለድና ኮነ ምስቶም ዘዕበዩና ሰባትን ከባብን ዝተመኮርናዮ ተመኩሮታት ኣዝዩ ከም ዝጽሎ እዚ ድማ ነቲ ዝተረፈ መዓልታት ህይወትናን ናብራን ኣዝዩ ከም ዝጸልው የመልክት። ሓደ ህጻን ክዓብይ ከሎ ጽቡቕን ኣወንታውን ዝኾነ ተመኩሮታትን ልምድታትንስ ምስ ወለዱን ንዕኡኡ ዝከናኸኑን ሰባትን ከባቢኡን እንድሕር ኣጥርዩ  ብኡኡ መጠን ድማ ናይ ሓንጎሉ ቅርጽን ምዕባለን ኣዝዩ ድልዱልን ሓያልን መሰረት ይህልዎ’ሞ ፡ ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ምስ ሰባትን ከባቢኡን ዘለዎ ዝምድና ከምኡ’ውን ኣብ ትምህርቲ ፥ ማሕበራዊ ህይወት፥ ኩነታትን ሽግርን ዝብድህ ይኸውን። እቲ ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ዘይረኸበ ህጻን ድማ ክሳብ ሽዑ ሓንጎሉ ይምዕብል እዩ እንተኾነ ግን ደሓር ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ዝመጽእዎ ብድሆታትን ግድላትን ክፈትሕ ይሽገር ። ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ዘለዎ ዝምድና ዝተሓላለኸ ይኸውን ። እወ’ዚ ኹሉ ተመኩሮ (experience) ለውጥታት ከም ዘለዎ ኮይኑ ፥ ብተወሳኺ ድማ ከምቲ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ ውርሻ ባህሪ ዘመሓላልፍ ኣሃዱ ብሓጺሩ (gene)ንብሎ ኣዝዩ ዓብይ ተራ ኣለዎ ኣብ ሓደ ዝምዕብል ሓንጎል ማዕረ-ማዕረ ተመኩሮ።

 ኣብ መወዳእታ እምበኣር ሓንጎልና ካብ መጀመርታ ህይወት ኣትሒዙ  ምስ ግዜ እንዳተሃንጸን ማዕበለን ዝኸይድ እዩ። መጀመርታ ቀለልቲ ዝኾኑ ክእለታት ይምዕብሉ ደሓር ድማ ኣዝዮም ዝተራቀቁ ክእለታት ኣብ ልዕሊኦም ይህነጹ። ናይ ሓንጎል መራኸቢ መስመራት ድማ ብተደጋጋሚ ክንጥቀመሎም ከለና እናሓየሉን እናደልደሉን ይመጹ። ሓደ ህጻን ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝጥቀመሉን ዘድልዮን ክእለት ብተደጋጋሚ እናተላመደ ካብ ህጻንነቱ ክዓቢ ከሎ ደሓር ኣብ ህይወቱ ዘጋጥምዎ ብድሆታት ብቀሊሉ ክፈትሕን ንቅድሚት ሰንጢቁ ክኸይድን ዓቕሚ ይረክብ።

ሳሌም.ገ.

Photo by Daniel Edeke

 

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!