ዓሌታዊነት ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻናትን መንእሰያትን

Beauty in Diversity

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ዓሌትን ምስኡ ዝተተሓሓዘን እንተወሓደ ከም መጀመሪ ዘረባ ምስ ደቕና ዝኾነና ሓሳባት ርእይና ኔርና (እንድሕር ኣይነበብካያን ናይ ዝሓለፈ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል)። ንሎሚ ጽልዋ ኣፈላላይን ዓሌታዊነትን ኣብ ጥዕና ቆልዑትን መንእሰያትን ብሓፈሻ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና (mental health) ዘምጽኦ ጽልዋ/ሳዕቤን ብኸፊል ክንርእይ ኢና። ሰናይ ንባብ…

መቸም ኩላትና ካብ መበቖል ዓድና ወጺእና እንነብር ብዛዕባ ዓሌታዊነትን ኣፈላላይን ዝተመኮርናዮ ተመኩሮ ኣሎ ኢለ ይሓስብ። ማዕረ ክንደይ ድኣ’ሞ’ኸ ደቕና ተሞኪሮሞ ክኾኑ ይኽእሉ፧ ዝገርም ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ሓደ ህጻን ካብ ወዲ 6ወርሒ ጀሚሩ ሕብሪ ቆርበት ናይ ሰብ ፈልዩ ከስተውዕል ከም ዝኽእል። ገና ትሕቲ ሓደ ዓመት ኮይኑ እዚ ከለሊ ካብ ከኣለ ገና ትምህርቲ ክጅምር ከይተጸበና ብዛዕባ መንነቱ ሕብሪ ቖርበቱ ምዝራብን ምምሃርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ሓደ ሰብ ጸሊም ብምዃኑ ጥራይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብኸመይ ዓይኒ ከም ዝርአን ዝተሓዝን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ክውን ነገር እዩ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህጻናትን መንእሰያትን ኣተኲረ ይዛረብ ስለ ዘለኹ – ጸለምቲ ብምዃኖም ጥራይ ካብቲ ካልእ ሰብ (ጻዕዳ ሰብ) ተፈልዮም ክርኣዩ ኣድልዎ ክግበረሎም ከም ዝኽእልን ዘይከሕድ ሓቂ እዩ ። በዚ መሰረት እምበኣር ማዕረ ክንደይ ሓደ መዋእለ ህጻናት ክጅምር ዝዳሎ ዘሎ ቆልዓ ብኣገባብ መንነቱን ሕብሪ ቖርበቱን ክንደይ ኣገዳሲ ዘይከውን፧

ሓደ እኹል ሰብ ብሰንኪ ዓሌቱ ፡ ሕብሪ ቆርበቱ ፡ ቑጠባዊን ማሕበራውን ድሕረባይታኡ ምርኩስ ብምግባር – ዓሌታዊነትን ኣድልዎን ኣፈላላይን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኡ ኮነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ብተደጋጋሚ ክምኮር ከሎ ማዕረ ክንደይ ነቲ ናቱ ናቱ ስነ-ኣምሮኣዊ ጥዕናኡ ከም ዝጸልዎን ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘስዕበሉን ብጭብጢ ዝተሰነየ መጽናዕቲ ዝሕብሮ እዩ። ኣብ ቆልዑትን መንእሰያትን ከኣ’ሞ ኣዝዩ ዝተዓጻጽፈ ይኸውን። እዚ ምስ ካልእ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምታው ማለት’ዩ ከም ናይ ኣተዓባብያ ፍልልይ ፣ ማሕበራዊ ቑጠባዊ ጥዕና ስድራቤት ፣ ዝተፈላላየ ነቲ ስድራቤት ዝጸሉው ሕሉፍ ተመኩሮታት ኣብ ግምት ብምታው ማለት ኢዩ።

ገለ ካብቲ ዝተገብረ መጽናዕታት ዓሌታዊነትን ኣፈላላይን ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህጻንን መንእሰይን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋን ጉድኣትን ገለ ንምጥቃስ ፥

  • ትሑት ነብሰ-ገምጋም (Low self-esteem) – ገዛእርእሶም ካብቲ ካልእ ኣትሒቶም ምርኣይን ምእማንን ።
  • ብጭንቀትን ሻቅሎትን ምትሓዝ
  • ናይ ቅዛነት ምልክታት (depressive symptoms) ከርእዩ ከለዉ
  • ናይ ትምህርቲ ጭንቀት ከምኡ’ውን ናይ ጠባይ ሽግር ። ገለ ባህርያት ኣብ ውሽጦም ጥራይ ጌሮም ክሕዝዎ ከለዉ ፡ ገለ ድማ ብሕርቃን ፡ ብባእሲ ፡ ኣብ ዘይተደልየ ወልፍታት ምእታው

ገለ ክሕግዙና ዝኽእሉ መንገድታት ምግባር

  • እንታዋይነቶም መንነቶም ኣርጊጾም ክፈልጡ ከለዉ (ethnic identity) ። ኣባል ናይ ሓደ ዓሌት፡ ባህሊ፡ ቋንቋ ፡ ዝመጽሉ ሕብረተሰብ – ናይዚ ኩሉ ድምር ዋንነት (ኣባልነት) ክስምዖም ከሎ ። ኣብ ውሽጦም እዚ መንነት ክስመር ከሎ መን ምዃኖም እንዳፈለጡ ስለ ዝዓብዩ ኣድልዎ ኣፈላላይ ክምኮሩ ከለዉ ክምክትዎ ይኽእሉ ካብ መንነቶም ምፍላጥ ዝተላዕለ! እዚ ድማ ንባዕሉ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘለዎም ስፍራ ከለልዩን ጽልዋ ከምጽኡን ትብዓት ይህቦም።
  • ማሕበራዊ ደገፍ ካብ ወለዲ ፡ መዛኑ ፡ መምሃራን ወዘተ ደገፍ ምርካብ ። ማሕበራዊ ደገፍ ክረኽቡ ከለዉ ትርጒም ዘለዎ  ዝምድና ፡ ምትእስሳር ፡ ተስፋ ፡ ውሑስነት ይፈጥረሎም ። ብፍላይ ድማ ካብ ብእኡ ዝሓለፉ ሰባት ክመሃሩ ከለዉ ተቀባልነት ይፈጥረሎም።
  • ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ስምዒቶም ዝገልጽሉ ባይታ ክረኽቡ ከለዉ ናብ ዘይተደልየ ኣዕናዊ መንገዲ ካብ ምኻድ ይቑጠቡ። እዚ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓሳብ ብማዕረ ዝኸይድ እዩ።
  • ኩሉ ግዜ ብኽፉት ልቢ ካብ ምዝርራብ ደው ዘይምባል

ሳሌም.ገ.

Facebook
Twitter
LinkedIn
Pinterest
error: Content is protected !!