ምንባር ክሳብ ዝሃለወ ሰብ ብኣብ ከባቢኡ ዝኸውን ኩነታትን ፍጻሜታትን ክንጽሎው ንቡር ኢዩ። ብፍላይ ድማ ከም ኣብ ስደትን ካልእ ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ሃገር ከም እንነብር መጠን – ኣብ ስደት ዝተወልዱ ይኹኑ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም መጺኦም ኣብዚ ዝዓበዩ ቆልዑትን መንእሰያትን – ዓሌታዊነትን ኣፈላላይን ኣብ ቤት ትምህርቶም ፥ ዝነብርዎ ከባቢኦም ኮነ ካብ የዕሩኽቶም ገጢምዎም ወይ ተሞኪሮሞ ክፈልጡ ይኽእሉ ይኾኑ ፧ ኣብ ከምዚ እዋን ምላሽና ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ከመይ ጌርና ምስኦም ናይ ምዝርራብ ዕድል ክንፈጥር ንኽእል ፧
ካብ ናይ ገዛእርእሰይ ተመኩሮ ተበጊሰ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ምስ ንኣሽቱ ህጻናት ኮነ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ቦታ ስራሕ ኮነ ኣገልግሎት ብቀጻሊ ዝለዓል ኣርእስቲ እዩ ። ኣዝዩ በዳሂ ዝገብሮ ድማ ኣብ ህይወቶም ከጋጥሞም ከሎ እዩ!
ሓደ ወላዲ ምስ ደቁ ቀጻሊ ዝዘራረበሉ ዛዕባ’በር ብሓደ መዓልቲ ተዛሪብካ ዝውዳእ ወይ መፍትሒ ዝርከቦ ኣይኮነን። ከም ዝመስለኒ ብቐጻሊ ምዝርራብ የድሊ።
ኣብ ምዕቡል ዓለም ስለ ንነብር ፍጻሜታትን ዜናታት ዓለምን ካባና ኮነ ካብ ደቕና ክሕባእ ዘይከኣል እዩ። እቲ ዘስግእ ድማ ቅድሚ ንሕና ምፍላጥና ንሳቶም ካባና ንላዕሊ ቀዲሞም ብመንገዲ ተክኖሎጂ ፣ ሶሻልሜድያን ኣዕሩኽቶምን ክፈልጡ ይኽእሉ ።
*ዓሌት (race) ናይ ሓደ ፍጥረት መበቆል ክኸውን ከሎ – ዓሌት ሰብ ድማ ናቱ ዝኾነ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ዘለዎ ማለት ብሕብሪ ቆርበቱ ፥ ኣቃውማ ኣካላቱ ፥ ብዘርኢ ፥ ብባህሊ ፥ ብሄር … ወዘተ ማለት እዩ ። [ ዝተፈላለየ ዓሌት ሰብ ኣምላኽ ባዕሉ ንዕላማኡ ኢሉ ዝፈጠሮ ክቡር ነገር እዩ!]
*ዓሌታዊነ’ት (racism) ግና ብኣንጻሩ ብዓሌት/ቀለም ቆርበት ዝተመስረተ ኣድልዎ ወይ ቅኑዕ መሰረት ዘይብሉ’ ጽልኢ ፡ ሻርነት ፣ ኣፈላላይ ማለት እዩ ። ስለዚ ካብ ሕብሪ ቆርበት ፥ ድሕረባይታን ድሑር ኣተሓሳስባን ካልእ ምኽንያታትን ዝተላዕለ ሓደ ሰብ ጽልኢ፡ ኣፈላላይ ፡ ሻርነት ፡ መሰሉ ምግፋፍ ፡ ዘይቕኑዕ ዝኾነ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ከሎ ማለት እዩ (ናይ ትግርይና መዝገበ ቓላት ምርኩስ ብምግባር)።
ከም ኣብነት – ናይዚ ቕነ ዘጋጠመ ፍጻሜ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ (ቅትለት ብኢድ ፖሊስ) ብዓይኒ ምሉእ ዓለም ዝተራእየ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር – ከመይ ጌርና ምስ ደቕና ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኣርእስቲ ዓሌታዊነትን ኣድልዎን ክንዘራረብ ንኽእል ፧ ብሓፈሻ ንኹሉ ወላዲ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትያናት ብመንጽር መጽሓፍ ቕዱስ።
ብመጀመርያ ካብ ቤትና ይጅምር ደሓር ናብ ከባቢናን ሕብረተሰብናን ይልሕም ቀጺሉ ድማ ኣብ ሃገር ለውጢ ይኸውን። ገለ ንምዝርራብ መእተዊ ዝኾኑና ሓሳባት ክንርእይ ፥
- ክፉት ዝኾነ ልቢ ክህልወና ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ሕቶ ምሕታት ነቀድም ፡ ምስማዕ ምርዳእ ከነቀድም ከለና ንምዝርራብ ዝዕድም ሃዋህው ይፈጥር ።ኣብ ቤት ትምህርቶም ከባቢኦም ዘጋጥሞም ክዛረብሉ ባይታ ምፍጣር ፡ ስምዒቶም ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ምርዳእ መጀመርታ የድሊ። ከምኡ እንተዘይጌርና ልቦም ከፊቶም ከዛርቡና ንዕኦም ዘጋጥሞም’ውን ክነግሩና ኣይክሉን ኢዮም። እዚ ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ከም ዘረባ ካብ ተሞኩረይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ፡ ኣብ ቤ/ክ ኮነ ኣብ ደገ ዝብሉኒ ዘረባ ኣሎ – “ሓበሻ ወለዲ ኣይርድኡልካን’ዮም ሕቶ ጥራይ’ዮም ዝሓቱኻ ፡ ናትና ሓሳብ ክሰምዑ ኣይደልዩን ‘ዮም” እዚ ንኹሉ ሓበሻ ወለዲ እኳ እንተዘይወከለ ብኸፊል ግና ኣብ ዝበዝሐ ዘጋጥም እዩ። ናትና ተመኩሮ ከነካፍሎም’ውን ዕድል ንረክብ።
- ልዕሊ ኹሉ ሰብ ዘበለ ፍጡር ብምስሊ ልዑል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ክቡር ምዃኑ ምግንዛብ። እዚ ማለት ብዘየገድስ እንታይ ይመስል ፣ እንታይ ስርሑ ዘለዎ ሃብቲ ፥ ድሕረ ባይታኡ … ወዘተ ሰብ ክቡር ምዃኑ ከነረድኦም ኣለና። ንገዛእርሶም መጀመርያ ብኸምዚ ዓይኒ እንድሕር ጠሚቶም ደሓር ንኹሉ ሰብ ብኣኽብሮት ክጥምትዎ ኣየሸግሮምን እዩ። ዘፍ 1፥27
- እ/ር ንኹሉ ሕብሪ ቆርበት ፡ ንኹሉ ቛንቛ ፥ ባህሊ ፥ ዓሌት ህዝቢ ንኽብሩ ኢሉ ከም ዝፈጠሮ። ንኹሉ ብማዕረ ከም ዝፈጠሮ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ቋንቋታትን ባህልን ንርእይ። ራእይ 7፥9 *እ/ር ዓሌት እምበር ዓሌታውነት ምፍልላይ ከም ዘይፈጠረ ምርዳእ።* እዚ ድማ እ/ር በቲ ዝተወልድሉ ዓሌት ፣ ህዝቢ፣ ቋንቋ ፣ ንዕላማኡ ከም ዝፈጠሮም ይርድኡ ፡ ትብዓት ይህልዎም ፡ ንኻልኦት ሰባት’ውን በዚ ዓይኒ’ዚ ክጥምትዎም ይሕግዞም።
- ዘሕዝን ኩነታት ክፍጸም ከሎ ብዓሌታዊነት ሰበብ ብምግባር ኣብ ዙርያና ክንክሕዶ ዘይንኽእል ኩነት ክፍጥር ከሎ ንሕና ብቃል ኣምላኽ መሰረት እንተዘይሚሂርናዮምን ሕትኦም’ውን ክንምልሰሎም እንተዘይክልና ብኻልእ ክመሃርዎን ክጽለዉን ኢዮም። እ/ር ከም ዝርኢ ፡ እ/ር ከም ዝሓሊ ፡ ፍትሒ ከም ዘውጽእ፡ ንሕና’ውን ብናይ ካልኦት መጉዳእትን ስቃይን ድንጋጸ ከነርእይ ከም ዘለና ክመሃሩ ኣለዎም ። ሮሜ 12፥15፣ እብራውያን 13፥3
- ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን ምልላይን ምፍላጥን ። ሓደ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ባህሪ ፍትሒ ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ፍትሒ እዩ ። እዚ መጽሓፍ ቕዱሳዊ ቋንቋን ባህሪ ኣምላኽን እዩ። ዘይፍትሕውነት ዓመጽ ዘበለ ድማ ኩሉ ካብቲ እከይ ከም ዝኾነ ። ዓመጽ ዘይፍትሓውነት ክርእዩ ከለዉ ክዛረቡ ንካብኦም ዝዓቢ ስልጣን ክዛረቡ ከም ዘለዎም ምርዳእ – እዚ በዓል ስልጣን ማለት ዓቢ ሓውዎም/ሓፍቶም ፡ ወለዶም ፡ መምህሮም … ወዘተ ምንጋር ማለት እዩ። ኣብ ኢሰያስ 1፥17 “ምግባር ሰናይ ተመሀሩ ፥ ቅንዕና ድለዩ፥ ንጥቕዕ ርድእዎ፥ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ ፥ ንመበለት ተጣበቑላ።” ነቲ ሰብ ዘይኮነስ ነቲ ተግባር ክንኩንኖን ክንፍንፍኖን ከም ዘለና።
- ካብ ገዛእርሶም ወጺኦም ስለ ኻልኦት ሰባት ፥ ኩነታት ፥ ሃገራት ምጽላይ ክላመዱ ምግባር። መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ካልኦት ምጽላይ ፡ ስለ ጸላኢኻ ምጽላይ ፥ ሰባት ክድሕኑ ምጽላይ ፡ ምሕረት ምግባር ፡ ፍትሒ ምውጻእ ከም ዝኾነት ምምሃር። ዘካርያስ 7፥9
ሰብ ድሕረባይታኡ ብዘይየገድስ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ ክቡር እዩ!
ይቕጽል…
ሳሌም.ገ.